ብምኽንያት ሞት ኣምባገነን መራሒ ስርዓት ወያነ መለስ ዜናዊ ካብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ/ ዴ.ም.ህ.ት/ ዝተወሃበ ውድባዊ መግለፂ!
ቅድሚ ኩሉ እቲ ካብ እዋን ውድቀት ስርዓት ደርጊ ጀሚሩ ካሳብ ዕለተ ሞቱ ንኣስታት 21 ዓመታት ኣብ መሪሕነት ተቐሚጡ ደም ንፁሃን ህዝብን ሃገርን እናፍሰሰ ዝፀንሐ ውልቀ መላኺ ንሕልፈት ምብቅዑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብባህሉ’ኳ ኣብ ልዕሊ በደልቱ’ውን እንተኾነ ብሂወት ዝምነ እንተዘይኮነ ንኹሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ዝኾነ ወገን ግን መጠናዊ እፎይታ ዝፈጥረሉ’ዩ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ! ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚርካ ክተካይዶ ዝፀናሕኻ ፀረ ብሄራውን ደርባውን ቃልሲ ሕዚ ትቕፅለሉ ዘለካ መሪር ህዝባዊ ተጋድሎን ምእንተ ናፅነትን ክብርን ሃገርካ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።
ህዝብና ንዘበናት ኣብ እንግድዑ ተፃዒኑ ዝፀንሐ ኣርዑት መግዛእትን ምዝመዛን ኣልዩ ሓንትን ምዕብልትን ዴሞክራሲያዊት ሃገር ክሃንፅን ክርእን ልዑል ባህጊ ሒዙ’ኳ ብኣሻሓት ናይ ዝቑፀሩ ጀጋኑ ክቡር ሂወት ከፊሉ ናብ’ቲ ዝድለ መድረኽ እንተበፅሐ ሰብ ግዜ ሹመኛታት ሰርዓት ወያነ ግን ደምን ኣዕፅምትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ተሳጊሮም ዓይኑ ዘውፀአ ጥልመት ብምፍፃም ሓድነት ሃገርና ከዳኽሙን መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ምጥምማት ኣጥሒሎም ህዝብና ተበጊስሉ ንዝነበረ ሃገር ናይ ምድሓን ቃልሲ ሙሉእ ብሙሉእ ኣበርዒኖሞ’ዮም።
ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ብቐጥታዊ መሪሕነት መለስ ዜናዊ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይፍፅሞ ዝፀንሐ በደላት ልዕሊ ዝኾነ እቲ ንዓመታት ኣብ ልዕሊኡን ልዕሊ ደቁን መላእ ዜጋታቱን ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ዝተፈፀሞ ብዱል ህዝቢ ይፈልጦ’ዩ። እዚ ብቐጥታዊ ትእዛዝ መለስን ሰዓብቱን ዝፍፀም ዝነበረ ግፍዕታት ድማ ዘይከም’ቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ ስማዊ ብሙሩፃት ቃላት ዝተዓጀበ ዓንቀፃት ዕድመ ህወሓትን ኮራኹሮምን ንምንዋሕ ክብሉ መሰለይ ንዝበለ ንፁህ ወገን ካብ ውልቀ እስካብ ብዘርኢ ዝግለፅ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ተግባራት የብፅሑ ምህላዎም ኣብ ርእሲ መሬት ዘሎ ፍጡርን ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።
ከምዚ ዝኣምሰለ ኣመራርሓ ይህብ ንዝነበረ ፀረ ህዝብን ውልቀ ገባሪ ሓዳጊ መራሒ ብሞት ምፍላዩ ድማ ከም ምስኣን ሓደ ፈታዊ ሃገሩን ህዝቡን ገይርካ ዝርአ ዘይኮነስ ከም ሓደ ፀረ ህዝብን ሕማም ሃገርናን ከባቢናን ዝተኣለየን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ከም ዝኾነን ገይርካ’ዩ ክውሰድ ዝግብኦ።
እንተኾነ! ሞት መራሒ ወያነ ኢህወደግ መለስ ዜናዊ ከም ናይ መወዳእታ ሓመደ ድበ ናይ’ቲ ስርዓት ገይርካ ዝውሰድ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መለስ ዜናዊ ኮይኖም ንሃገር ዘድምዩን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ዝፍፁሙን ብኣምሳልን ተግባርን ፈፂሞም ዘይፍለዩ ናይቲ ስርዓት ኣገልገልትን ተጠቀምትን ዕሉላት ፀረ ህዝቢ ስለ ዘለው ሕዚ’ውን ብናይ መለስ ሞት ክመፅእ ዝኽእል ለውጢ ፅገናዊ እምበር መሰረታዊ ክኸውን ስለ ዘይኽእል ህዝብና ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ልዑል ግምት ሂቡ መፃኢ ዕድል ሃገርና ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ኣንፈት ንኸየምርሕ ብጥንቃቐ ክከታተሎን ንመሰረታዊ ለውጢ ክላዓልን ይግባእ።
ኣብ መወዳእታ:- ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርናን ወፃእን ንዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ሲቪል ማሕበራትን ውልቀሰባትን ብምልኦም በቢኣንፈቶም የካይድዎ ንዝፀንሑ ህዝባዊ ቃልስታትን ምእንተ ለውጢ ዝኸፍልዎ ዘለው መስዋእትን ብዝበለፀ ተጠናኺሮምን ንዝፍጠሩ ዘለው ምቹው ናይ ቃልሲ ኩነታት ተጠቒሞምን ካብ ፀቢብ ከባብያውን ብሄራውን ስምዒት ናፃ ዝኾነ ሃገራዊ ኣታሓሳስባ ሒዞም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነቶም ኣደልዲሎም ህዝባዊ ተጋድሎኦም ክቕፅሉ ይግባእ ብምባል በዚ ኣጋጣሚ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ምስ ኩሎም ብሓድነት ኢትዮጵያ ዝኣምኑ ተቓወምቲ ውድባት ሲቪል ማሕበራትን ውልቀሰባትን ሎሚ’ውን ከምቀደሙ ሓቢሩ ንምስራሕ ድልው ምኻኑ ይገልፅ።
ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ ስርዓት የለን!!
ዓወት ንውፅዓት
ነሓሰ 17/12/2004 ዓ/ም
Email;- tpdm1993@yahoo.co hadnet93@demhit.com
facebook;- ህዝባዊ ተቓላሳይ
No comments:
Post a Comment