Saturday, November 10, 2012

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ፤ ወረዳ ደጋን ልዕሊ 100 ንፁሓት ዜጋታት ብፌዴራል ፖሊስ ወያነ ኢህወዴግ ከም ዝተኣስሩ ኣብ’ዚ ቕንያት ካብ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣






ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነበርቲ እቲ ከባቢ። ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ፤ ወረዳ ደጋን ፌዴራል ፖሊስ ወያነ ደቂ 90 ዓመት ሽማግለታት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዘይ ሓደ ገበን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጎንዎም ድሕሪ ምግላፅ። መብዛሕቲኦም መንእስያት ሕይወቶም ንምድሓን ናብ ሩሑቕ ከባቢ ይሃድሙ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቶም መንእስያት ናብ ዓበይቲ ከተማታት  ሃገርና ይኹን ናብ ወፃኢ ሃገራት ከይስደዱ። እታ ወረዳ ብበዝሒ ፌዴራል ፖሊስ ወያነ-ኢህወዴግ ተኸቢባ ነበርቲ መውፅእን መእተውን ሲኢኖም ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቖም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣