ኣብ
ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣዚዩ ተስፋሕፊሑ ይቕፅል ብምህላዉ። ላዕለዎት ሰበስልጣን
ምክልኻል ነዚ ከም መፍትሒ። ብዘለዎም ስልጣን ተጠቕሞም ነቲ ሓደ ካብ ሓላፍነቱ ብምውራድ ነቲ ካልእ
ብምድያብ፤ ነቲ ሓደ ኣሲርካ ነቲ ካልእ መዓርግ ምሃብ
ተተሓሕዘሞ እኳ እንተሃለዉ። እቲ ወጥሪ ግና ካብ’ቲ ዝነበሮ ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕፅል ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣብ’ዚ
ሕዚ እዋን ብትእዛዝ ጀኔራል ሳሞራ ዮኑስ ካብ ዝካየድ ዘሎ ሙሻምን ምዉራድን። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ጀኔራል ሞላ ሃለማያርም
ካብ ሓላፍነቱ ክለዓል ብምግባር ኣብ ክንድኡ ሜጀር ጄኔራል መርሃ ዘዉዴ ከም ዝተሾመን
ካብ
በረኻ ጀሚሩ ምስ ሳሞራ ጥቡቕ ዕርክነት ከም ዝነብሮምን። ምሽጢር መዉሃቢ ሽመቱ እዉን ብቕዓት ዘይኮነስ ኣብ ተራ ዕርክነት ዝተመስረተ
ምዃኑ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ዝለሓዀ ሓበሬታ ኣቃሊዑ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ። ጄኔራል ሳሞራ ብዝኽተሎ ዘሎ ብድሕረይ ዳንዴር
ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ገባሪ ሓዳጊ ኣካይዳ ዝዋሃብ ዘሎ ሽመት ብስራሕ ዘይኮነ ብቕርርብን ግበረለይ ክገብረልካን ብምዃኑ። እዚ ሕማም
ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተላቢዑ ኣብ ዉሽጢ ስራዊት ኣላይን ተኣላይን ብዘይብሉ ዝዓበየ ምትፍናን ወሊዱ ብምህላዉ። ስራዊት ኣብ’ቲ
ስርዓት እምነት ስኢኑ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይጠፍእ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ፣