Sunday, November 11, 2012

ኣብ መላእ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ አታአካኽባ ግብሪ ሚዛኑ ዘይሓለወን ሌላን ጉሌላን ዝተመልኦን ፖለትካዊ ትሕዝቶ ዘለዎን ከም ዝኾነ ሰብ ትካልን ነጋዶን ሃገርና ገሊፆም፣




በዚ መሰረት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ነጋዶን ሰብ ትካላትን እታ ከተማ ናይ’ዚ ዓመት ግብሪ መንግስቲ ንኽኸፍልዎ ዝግበር ዘሎ ኣብ ተግባራዊ መፅናዕቲ ዘይተሰነየ። ሰበ ስልጣን ባህ ከም ዝበሎም ሚዛኑ ዘይሓለወን ኣብ ሌላን ጉሌላን ተደሪኾም ይፍፀም ብምህላዉ። ዓቕሚ መኽፈሊ ዝሰኣኑ ነጋዶ ዝነበሮም ንግዲ ፍቓድ ከየሐድሱ እንትዓፅው ገለ ዉስናት ድማ ተለቂሖም ክኸፍሉ ግድን ኮይንዎም ከም ዘሎ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

ኣብ ከተማ መቐለ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ዓበይቲ ነጋዶ ሓደ ብወዲ መሸሻን ወዲመቹን ዝፍለጥ ብዙሓት ናይ ንግዲ ትካላት ዝዉንን። ማለት ኣቁሑ ኤሌትሮኒክስ መከፋፈሊ፤  ቤት ስእልን ዘመናዊ ክዳዉንቲ መሸጥን መከፋፈልን ዝዉንን ኮይኑ። ነታ  ቤት ስእሊ ጥራሕ ዓመታዊ ግብሪ 2.3 ሚልዮን ብር ክፈል ምስ ተበሃለ። ልዕሊ እቲ ኣብ ዓመት ሰሪሐ ዝረኽቦ ጠቕላላ ኣታዊ እዩ ኢሉ ሰማዒ ስለ ዘይረኸበ። እቲ ገዛ ምስ ንብረቱ ገዲፊሎም ከም ዝወፀን ክሳብ ሕዚ እቲ ትካል ተዓሺጉ ከም ዝርከብን ካብ’ታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረድእ፣
ከምኡ እዉን ሓንቲ ነባሪት መቐለ ብንግዲ ዝመሓደራ ሰበይቲ። ኣብ ንግዲ ፍቓደን መበገሲ መንቀሳቐሲ ካፒታል 3 ሽሕ ተመዝጊቡ እናሃለወ። ዕፅፊ ናሃቱ 6 ሽሕ ክኸፍላ ኣብ ዝተሓተታሉ ኣነ ቆራቢት ብምዃነይ ሓስየ ኣይዛረብን። ግና እቲ ክኸፍሎ ዝሕተት ዘለኹ ልዕሊ ዓቕመይን ምስ ትሕዝቶ ንግደይ ዘይሳነን እዩ እኳ እንተበላ  ሰማዒ ከም ዘይረኸባ ተኸሲሰን ይንገላትዓ ከም ዘለዋ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ከምኡ እዉን ሓንቲ ሽመን ክጠቐሳ ዘይደለያ ነባሪት ከተማ መቐለ 18 ቀበሌ ዝኾና ኣደ ኣብ ኣካራይን ተኻራይን ዝተመዝገባ ኮይነን። 8 ሽሕ ክኸፍላ ተባሂለን ምስ ተነገረን ግብሪ ድዩ? ሕጊ ጉዝጓዝ ጌርካ ወራር ኢለን ስለ ዝመለሳሎም። ብፖሊስ ከም ዝተኣሰራን እቲ ግብሪ ድማ ብዘይ ዝኾነ ምምሕያሽ ክኸፍልኦ ከም ዝተገደዳን ተፈሊጡ፣
ኣብ መወዳእቲ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ዝተዛበዐ ኣወሳስና ግብሪ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ብምዃኑ። ደገፍቲ ካልኦት ዉድባት ተባሂሎም ብካደረታት ስርዓት ወያነ ዝተኣመነሎም ከም መሸማቐቕን መፈራርሕን ተጠቕሞም ክእሰሩን ብኡ ኣቢሎም እዉን ካብ’ቲ ስራሕ  ንኽእለዩን ከም ሓደ መስርሕ ተታሒዙ ይስራሓሉ ከም ዘሎ። እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ከተማ ውረይታ ዘጋጠመ ዘይሕጋዊ ኣካፋፍላ ግብሪ ገልፅና ምንባርና ይዝከር፣