Wednesday, November 7, 2012

ኣብ መንጎ ኣባላት ፓርላማ ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ምሻም ዳያኑ ዘይምቅዳው ከም ዝተፈጥረ ካብቶም ኣባላት ፓርላማ ዝላሓዀ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣






ኣብ ዝቕንያት ብወያነ ኢህወዴግ ዝተኸየደ ኣኼባ ፓርላማ ናይ ምሻም ዳያኑ መሰል ብሄራት ዘማእኸለ ዘይኮነስ ኣብ ኣባላትን ደገፍትን እቲ ስርዓት ጥራሕ ዘተኮረ ኣሰራርሓ ብምዃኑ በቶም  ኣባላት ፓርላማ  ተቓውሞ  ከም ዘጋጠሞ ንኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ’ውን ሕቶታት ከም ዘቕረብሎም ተፈሊጡ።።
     ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ሹመት ንሶማሌ፤  ንዓፋርን ንቤንሻንጉልን ካልኦትን ክልላት ሃገርና ዘየማእኸለ ብምዃኑ። ብምልኦም ኣባላት ውድብ ኦህዴድ እዚ ዝተኻየደ ሓዱሽ ሹመት መሰል ህዝቢ ኢትዮጵያ  ምግፋፍ እዩ ክብሉ ከም ዝተቓወምዎ ገሊፁ።።
   ኣብዚ ሕዚ እዋን  ኣይተ በረከት ስምኦን። ንሃይለማርያም ደሳለኝ ንኣይተ ደመቀ መኮነንን ብቀዳማይ ሚኒስተርን  ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ክኾኑ ልዑል ፃዕሪ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ ኮይኑ።  እቶም ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስተር በቶም ዝፀንሑ ካቢኔ ድዮም ክቕፅሉ ወይስ   ሓደሽቲ ንዕኦም ከስርሕዎም ዝኽእሉ ክሸሙን ዘይክሸሙን ክሳብ ሕዚ ዝተፈለጠ ነገር ከም ዘየለ ይፍለጥ፣