Tuesday, November 13, 2012

ስርዓት ወያነ ኢህወደግ አብ መንጎ ሃይማኖታት ኢዱ ብምእታው ህዝቢ ነኒ ባዕሉ እናጋጨወ ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣

www.demhit on line.com



ብመሰረት ዝበፀሐና ሓበሬታ አብ ከተማ ደሴ ዝነበረ ተኸታሊ እምነት እስልምና ዝኾነ ህዝቢ ዝመረፀን ዘይመረፀን ኢሉ ብምክፍፋል እቲ ስርዓት አብ ጎኒ እቶም ዝመረፁ ጠጠው ብምባል እቶም ዘይመረፁ ናብ መስግድ ከይዶም ፀሎት ከይገብሩ ብአባላት ፀጥታን ፀግዒ ናይቲ ስርዓት አመንቲ እስልምና ብምኽልካሎም ስዕቡ ብዕለት 23/02/2005ዓ/ም ዝተፈጠረ ግጭት አብቲ ሻዑ እዋን 2ሰባት ዝሞቱ እንትኾኑ ብርክት ዝበሉ ድማ ዝቆሰሉ ኾይኖም ክሳብ ሕዚ ድማ እቶም ዘይመረፁ ወገናት አብቲ መስጊድ ከይዶም ፀሎት ከየብፅሑ ተኸልኪሎም ከም ዘለውን እቲ መስጊድ ድማ ብአባላት ፀጥታ ይሕሎ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ የመልክት፣