Tuesday, November 13, 2012

ብሽም ሕድሪ መለስ ህዝቢ ትግራይ አብ ማዓልታዊ አኼባታት ተፀሚዱ ማዓልታዊ ስራሑን ምህርቱ ክዓምም ብዘይ ምኽአሉ ህዝቢ የንፀርፅር ከም ዘሎ ተገሊፁ፣





   ወኪላትና ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝላአኹልና ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ህዝቢ ብሽምመለስ ገንዘብ ኣውፅእ፤ኣይትሻቐሉ፤ከባቢኹም ብንቕሓት ሓልዉዝብሉን ኣብ መወዳእታ ድማ ሕድሪ መለስ ነተግብር ብዝብል አጀንዳታት አብ ዘየቋርፅ አኼባታትን ንህዝቢ ፀምድዎ ዘሎ እንትኸ ‘ውን  ተማሪሩ ህዝቢ  ዓው ኢሉ ክዛረበሉ ጀሚሩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣
    በዚ መሰረት ነባሪ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ አድያቦ ዝኾነ ህዝቢ ብምኽትል አማሓዳሪ እቲ ዞባ ዝኾነ አይተ ጎቦዛይ በርሀን ዋና አማሓዳሪ እቲ ወረዳ ዝኾነ አይተ ጥላሁን በርሀ ዝካየድ ዘሎ አኼባ ብህዝቢ እቲ ከባቢ ንሕና አብ አኼባ እናወዓልና ዝዘራእናዮ ክንእክብ አይካልናን ካብዚ አኼባ ውን እንረኽቦ ረብሓ የብልናን ብምባል ህዝቢ ተቓውሞኡ ዘልዓለ እንትኸውን ብተመሳሳሊ አብ ከተማ ራማ ዝርከቡ ተጋደልቲ ነበር ብ23/02/2005ዓ/ም ነቲ ወፍሪ መለስ ንዕቤትን ዝላን ብዝብል ዝካየድ ዘሎ አኼባን መዋጮን ብምቕዋም ዘልዓልዎ ተቓውሞ ብሓይልታት ፀጥታ ጠጠው ዝበለ እንትኸውን ድሕሩ ድማ ብምምሕዳር እቲ ከባቢ ነቲ ዘልዓልዎ ተቓውሞ ንምዝሓል ዝተፈላለዩ መፅባዓታት ከም ዝአተወሎም ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ የመልክት፣