Monday, August 19, 2013

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ ግራት ነባራይ ብዝኾኑ ብኣይተ ሰለሙን ዝተበሃለ ወገን 10 ሚልዮን ቅርሺ ቦንድ ገዚኣኦም ተባሂሉ ብድምፂ ወያነ ዝተፈነወ ዜና ሓሶት ምዃኑ ተገሊፁ።




እቲ ብ6 ነሓሰ 2005 ዓ/ም  ብነባራይ ከተማ ዓድ ግራት ዝኾኑ ኣይተ ሰለሙን ዝተባህሉ ዜጋ  ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ዝውዕል፤ 10 ሚልዮን ብር ቦንድ  ገዚኦም ተብሂሉ ብሬድዮ ድምፂ ወያነ ዝተመሓላልፈ  ናይ ዜና ሓበሬታ ሓሶትን ንፕሮፖጋንዳ ተባሂሉ ዝተፈነወ ሓበሬታ ምኻኑ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

      እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቶም ቦንድ ዓዲጎም ዝተብሃሉ ኣይተ ሰለሙን ብወገኖም ከም ዝገለፅዎ፤  “ኣነ ክንዲዚ ዝኣክል ገንዘብ ዘየብለይን ቦንድ ዘይገዝእኩ እናሃለኹ  ኣመሓደርቲ  ከተማና ብሓሶት ንዓይ  ከም መጎስጎሲ ክጥቐሙለይ ምብጋሶም ገበን እዩ። ብፍላይ ድማ ምስ  ስድራይ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣበይ ነይሩ ብምባል  ኣብ ሓዳራይ ዘይምትእምማንን  ባእስን ፈጢሮምለይ ክብሉ ብምረት ገሊፆም።

     ህዝቢ  ከተማ ዓዲ ግራት ብወገኑ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ሓቂ ንጎኒ ገዲፉ ክሳብ ክንደየናይ ህዝቢ ንምትላልን ንምድንጋርን ደው ዝበሉ ምዃኖም  ዘማላኽትን፤  ሓደ ውድቀቱ ዝተቓረበ ስርዓት ካብ ዘርእዮም ምልክታታን እዩ ክብሉ ሓሳቦም ከም ዝገለፁ  እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።