ኣብ
ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልድያ ብ7 ነሓሰ 2005 ዓ.ም ዝተኻየድ ኣኼባ ብመራሕቲ ስርዓት ወያነ ከም ሓደ ኣገዳሲ መደብ ተታሕዙ
ንመሰርሒ ፋዉንደሽን መለስ ዝዉዕል ገንዝብ ነባሪ ህዝቢ
ንኽዋፅእ ዋላኳ እንተተሓተተ፤ ብወገን ህዝቢ ግና እዚ ሚሂዝኩሞ
ዘለኹም ሓዱሽ ሜላ ንሙስና ክጥዕመኩምን ውልቃዊ ረብሓታትኩም ክተማልኡ
ዝፈጥርኩሞ ስለዝኾነ፤ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣይነዋፅእን ክብል ከም
ዝተቓወሞ ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ እዋን ህዝቢ ከተማ ወልድያ ኣስዒቡ ከም ዝበሎ፤ “ኣብ ዝተፈላልዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ሚድያ ይኹን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት፤ ብኽንድዚ
ሚኢታዊት ዕቤት ኣርኢና ክትብልዎ ዝፀናሕኩም፤ ስለ ምንታይ ባዕልኹም ዘይትሰርሕዎ ኣብ ርእሲ ፀገምና ዝተፈላልዩ
ሜላታት እናፋሓስኩም ኣይትመዝሙዝና ኣይንቕበለኩም” ክብሉ ድሕሪ ምዝራብ መዓዝ ኢኹም ንዝህቢ
ምትላል ክትገድፍዎ ብምባል ኣትሪሮም ከም ዝተቓወሞም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ገንዘብ ናይ ምውፃእ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ክንዲ
ህዝቢ ወኪሎምን ነቲ ሓሳብ ተቓዊሞም ካብ ዘቕረቡ ዓበይቲ
ዓዲ፤ ሓለቓ ሓምሳ ኣለም ንጋቱ፤ ኣይተ ያሲን ከዲር ዝተብሃሉ ወዲ 70 ዓመት ከም ዝርከብዎም እቲ ሓብሬታ ኣብ
መወዳእታ ኣረዲኡ።