እዞም
ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝቕመጡ ዜጋታትና ቅድሚ ዓመታት ኣትሒዞም ገንዘብ ብምውፃእ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኮንደሚንየም ኣቢሎም ከስርሕዎ ዝፀንሑ መንበሪ
ገዛውቶም ተስሪሑ ምስ ተወደአ መንግስቲ ኣብ ክንዲ
ንሰብ ዋና ንባንክ ስለ ዘረከቦ፤ ብ8 ነሓሰ 2005 ዓ/ም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ንባንክ ከይድኩም ሕተቱ ከም ዝተባሃሉ ገሊፆም።
ብፍላይ እዞም እብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ዜጋታት ልዕሊ ዓቕሞም
ዝኾነ ገዛ ክራይ እናኸፈሉን ንመስርሒ እቲ ኮንደምንዮም ዝውዕል
ገንዘብ ምውፃእ ተደሚርዎ ኣብ ከቢድ ፀገም ምውዳቖም ድሕሪ ምግላፅ፤ ነዚ ፍታሕ ክረኽቡ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ከተማ ኣዲስ አበባ
ከይዶም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ፅንሑ ክንዕድሎ እና ዝብል መልሲ ተዋሂብዎም ክፅበዩ ድሕሪ ምፃናሕ፤ ሕዚ ንንግዲ ባንኪ ተሽይጡ ዝብል
መልሲ ብምሃቡ ኣዚዮም ከም ዝተቖጥዑ ተፈሊጡ።
በቲ ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ ዝነደሩ ግዳያት ናብ ሓለፍቲ ናይቲ ዝተሓበረ
ንግዲ ባንኪ ከይዶም ኣብ ዝሓተትሉ ድማ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንፈልጦ ነገር የለን ክብሉ ከም ዝመለስሎም ንጉዳዮም ሓላፍነት
ዝወስድ ኣካል ስኢኖም ኣብ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።