ኣብ ዝተፈላለዩ እዝን ግንባራትን ዝርከርብ
ሰራዊት ምክልኻል ስርዓት ወያነ ንዝቕፅል 7 ዓመት ንምግልጋል
ብፍርምኦም ከርጋግፁ ኣብ ዝሕተተሉ ዘሎ እዋን፤ ብድሌቱ ክፍርም ፍቓደኛ ኮይኑ ስለ ዘይተረኸበ፤ ነዚ ንምትግባር ዓቕሎም
ዝፀበቦም ሓለፍቲ ነቲ ሰራዊት “ፈርሙ ጥራይ እምበር ናብ ዳርፉር ዓቓቢ ሰላም ጌርና ክንሰደኩም ኢና፤ ኣብ ኮሎጃት ብርሕቐት
ክትማሃሩ ኢኹም፤ ስልጠና ሞያ ቀዳምነት ክንህበኩም ኢና” ወዘተ ብዝብሉ ዘይትግበሩ መብፅዓታት ብምድርዳር ከታልልዎ ይፍትኑ ከም
ዘለዉ ካብ ዉሽጢ ልሕኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሓይልን ምትላልን ዝተመልኦ
ናይ ምፍራም መሰርሒ ብምቅዋም ኣሃድኦም ራሕርሖም ዝጠፍኡ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ብቑፅሮም ኣዚዮም ብዙሓት እንትኾኑ፤ ከም
ኣብነት ካብ ሓንቲ ሓይሊ ዝጠፍኡ እንተወሲድና፤ ካብ 22 ክሳብ 23 ዝኾኑ ወተሃደራት ኣይንፍርምን ብምባል ከም ዝወፁ እቲ
ሓበሬታ ኣስዒቡ ይገልፅ።