Thursday, August 29, 2013

ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኢትዮጵያዉያን ብሽም ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሞት መለስ ዜናዊ ገንዘብ ንኸዋፅኡ ዝቐረበሎም መፀዋዕታ ከም ዘይተቐበልዎ ካብ ካርቱም ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።




ብመሰረት’ቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ካርቱም ዝነብሩ  ኢትዮጵያዉያን ብሽም ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሞት መለስ ዜናዊ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ብኣባላት ኤምባሲን ብካልኦትን በደልን ግፍዒን ዝፍፀሞም ከይኣክል ብመራሕቲ ስርዓት ወያነ ንግድብ ኣባይ ቦንድ ንኽገዝኡን ንዝኽሪ መለስ ዝኸውን ውህብቶ ንክኸፍሉን ንዝቐረበሎም ሕቶ ተኣከብቲ  በብተራ ኣብ ዝገበርዎ መደረ “ካልእ ተመንይኩም! ሎምስ ድማ ብዝሞተ ሰብ ሸቐጥ ጀሚርኩም” ብምባል  ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑ ተፈሊጡ።
   ኣብቲ  ናይ ገንዘብ ልመና ከም መራሒ መድረኽ ዝነበረ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ክፍሊ ፋይናንስ  ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣይተ ደስታ ድሕሪ ብዛዕባ ንግድብ ኣባይ ኣመልኪቱ ብዙሕ ምልማኑ ካብ ህዝቢ ዝደለዮ ግብረ መልሲ ሰለ ዝሰኣነ ካልእ ሜላ ብምንዳይ ነቲ ተኣካቢ ንምእማን ጎስጓስ ዘካየዱ ኣባድ ዞሞን  ኣይተ  ቀለሙን በብተራ መግለፂ ዋላኳ እንተሰምዑ፤ ብጀካ ካብ 15 ክሳብ 20 ዘይበዝሑ ሰባት ዝተዋፀአ ኣዚዩ ዉሑድ ገንዘብ እቲ ክእክብዎ ዝሓሰብዎ ገንዝብ ውፅኢት ከይረኸብሉ ፈሺሉ ሳንጥኦም ዓፂፎም ክምለሱ ከም ዝተገደዱ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
ብተመሳሳስሊ  ነቲ ዝፈሸለ መደብ ንምትዕርራይን ካብ ህዝቢ ገንዘብ ንምግሓጥን ተሓሲቡ ንካልኣይ ግዜ ብሽም ዝኽሪ ሞት ዓመት መለስ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብምዃን ሱዳናዊያን ዝተሳተፍሉ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ምሕዝነት ኣዳራሽ (ፍሬንድሺፕ ሆል) ዳግማይ ኣኼባ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣዜብ መስፍን ተረኺባ ዘይክውንነት መደረ ዋላ’ኳ እንተስመዐት፤  እቲ ተንኮልን ሜላ ስርዓት ወያነ ዘረብረቦ ተኣካቢ ህዝቢ ሎምስ ኣይንዕሾን  ዝብል ምላሽ ብምሃብ ከም ዝፋነዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።