Monday, August 19, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ሰብ ዋና ትካላት ርትዓዊ ብዘይኮነ ግብሪ መንግስቲ ንኽሳራ ስለ ዝተቓልዑ ትካላቶም ዓፅዮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ከም ዘለዉ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ  ዝርከቡ ወነንቲ ንግዲ ትካላት፤ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ምስ ኣታዊኦም  ዘይመጣጠንን  ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ስለ ዘገደዶም፤ ነቲ መጠኑ ዝሓለፈ ግብሪ ዝነበረ ትሕዝትኦም ሸይጦም ብምኽፋል፤ ትካሎም ዓፅዮም ናብ ካልኣይ ሃገር ምስዳድ መማረፂ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ እቲ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ኣረዲኡ።
 እቲ ኣከፋፍላ ግብሪ መጠኑ ዝሓለፈ ጥራይ ዘይኮነስ ካብኡ ናብኡ ሓደ ዓይነት ትካል ንዝዉንኑ ሰባት፤ ብኣድልዎን ግበረለይ ክገብረልካን ስለ ዝስራሕ ገለ ትሕቲ ዓቕሞም ዝኸፍሉ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤  እዚ ዓብዪ በሪ ግዕዝይና ከፊቱ ዘሎ ኣከፋፍላ ግብሪ ኣብታ ከተማ ዓመታት ዘቑፀረ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሕዚ መፍትሒ ክግበረሉ ከም ዘይከኣለ ወሲኹ ኣፍሊጡ።

  ካብቶም ልዕሊ ዓቕሞም  ግብሪ  ኽከፍሉ ዝተገደዱ ነበርቲ፣- 
  1. ኣይተ ተስፋይ ዝብኢ ቀትሪ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ወናኒ ፋርማሲ  ኮይኑ 200 ሽሕ ክኸፍል ተወሲንሉ ንብረቱን ትካሉን ሸይጡ ብምኽፋል ሃገሩ ገዲፉ ናብ ሱዳን  ከም ዝኸደ።
2. ኣይተ ገበረኺዳን ወናኒ ሆቴል 140 ሽሕ ክፈል ተባሂሉ ንብረቱ ሸይጡ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ።
3. ኣይተ ብርሃነ ዝተብሃለ ወናኒ እንዳ ክዳውንቲ ድማ 165 ሽሕ ግብሪ ክፈል ተባሂሉ ንብረቱ ሸይጡ ድሕሪ ምኽፋሉ፤ ናብ ስዑድያ ስደት ክኸይድ ንግዚኡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝረከብ ድሕሪ ምግላፅ፤ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና ብሰንኪ ዓቐኑ ዝሓለፈ ግብሪን ኣድልዎን ምስ ስድረኦም ኣብ ከቢድ ቅልዉላዉ መነባባሮ ወዶቖም ከም ዝርከቡ ይገልፅ፣
   እዚ  ከምዚ ዓይነት ዘይርትዓዊ  ምኽፋል ግብሪ ኣብ ከተማ ሽረ ጥራሕ ዝተወሰነ ዘይኮነስ፤ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝረከቡ ነጋዶ ናብ ድኽነትን ስደትን ዘሳጥሕ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ ኮይኑ ከም ዝርከብ ዝተፈላለዩ ኣካልት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።