ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነበርቲ ወረዳ ዓዲ
ኣርቃይ ፍሉይ ሽሙ ታርንሻ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ዝነብሩ ኣካላት
ሕብረትሰብ ብሰበስልጣን እቲ ከባቢ ተደጋጋሚ በደል ይወርዶም ዘሎ ኮይኑ፤ ካብቶም ተበደልቲ ሓደ ኣይተ ኣዲሱ/ ኣለሜየ ሶራ /
እንትኾን፤ ንሱ በቲ ዝወረዶ ብደልን ግፍዒን ኣማሪሩ ናብ በረኻ ወፂኡ ኣንፃር ኣመሓደርትን ኣካላት ፀጥታን ስርዓት ወያነ ክገጥም ከም ዝተገደደ ኣረዲኡ።
ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ንኣዲሱ/ኣለሜየ ሶራ/ ሃዲንካ ንምቕታል ብርክት
ዝበሉ ዕጡቛት ወያነ ብምውፋር ድሕሪ ምስ ኣዲሱ ዝተገበረ ናይ
ተኹሲ ምልውዋጥ ኣርባዕተ ፖሊሳት ቀቲሉ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ድሕሪ ምቑሳል፣ ኣብ መወዳእታ ንባዕሉ ክስዋእ ከም ዝኸኣለ እቲ
ዝተረኸበ ሓበሬታ ወስኹ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ መንጎ ህዝብን ፖሊስን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ክልል ኣምሕራ ጥራሕ ተሓፂሩ ዝተርፍ ዘይኮነስ፣ ብሓፈሻ
ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ኢትዮጵያ ዝለዓል
ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣