Monday, August 26, 2013

ካብ ዝተፋላለየ ከባቢታት ሃገርና ናብ ቃፍታ ሑመራ ዝኸዱ ማዓልታዊ ስራሕተኛታት ብዓሌትን ከባብን እናተጎጃጀለ ኣብ ግጭት ተፀሚዱ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




በመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ  ከባቢ ማይ ካድራ ዝርከቡ ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑ ሸቃሎ  ብብሄርን ከባብን ተጎጃጅሎም ብቐፃሊ ብዝፍጠር ባእሲ ሂወት ሰባት ይጠፍእ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ በዚ ምኽንያት ድማ 3 ወገናት ብፋስን ካራን ተወጊኦም  ተወቒዐሙን እንትሞቱ፣ ካልኦት ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈልጡ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም  ኣብ ሆስፒታል  ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።

      እቲ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ተወሊዑ ዘሎ  ከባቢያውን ዓሌታውን ዝመበገሲኡ ግጭት፣ ኢድ ሰበ-ስልጣን ወያነ  ከም ዘለዎን ከም ዉፅኢቱ ከዓ ነቲ ህወከት ንምፍታሕ ብኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ዝተወሰደ ተበግሶታት ከም ዘየለ  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

   ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከይወፅእና  ብሑመራ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ክሰደዱ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 45 ሶማልያውያን ብ17 ነሓሰ 2005 ዓ.ም ብዕጡቓት ወያነ ተተሓዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑመራ ድሕሪ ምድጓኖም፤ ኣብ ልዕልኦም ግፍዓዊ ዝኾነ መርመራን ስቓይን ይበፅሖም ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝበፃሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።