ሚኒስቴር
ባህልን ቱሪዝምን ሰራሕተኛታቱ ካብ ስሩዕ ስርሖም ወፃኢ ኣብ ዉድብ ኢህወዴግ ዉሽጢ ንኽፍፀም ዝወፀ ዉጡን 2006 ዓ/ም ብፍሉይ
ኩነታት ክሰርሑ ምግዳዶም እናተቓወሙ ምዃኖም፣ እቲ ሚኒስተር ኣብ
2006 ዓ.ም ንዉሽጣዊ ገዛኢ ውድብ ዝምልከት ስራሕ ትኹረት ሂቡ ክትግበር ዝወረደ ትእዛዝ ሰራሕተኛ ብዘይድሌቶም ትርፊ ስራሕ
ክሰርሑ ከም ዝተገደዱ ጋዜጣ ሰንደቅ ኣረዲኣ።
ንኽፍሊ ምድላው እታ ጋዜጣ ቅሬተኦም ዘቕረቡ ሰራሕተኛታት እቲ
ሚኒስትሪ፣ እቲ ዉጡን ብዘይድሌቶም ከተግብሩ ተዘይኮይኑ፤ ወሰኽ መሃያ ይኹን ክፍሊት ትርፊ ግዜ ዝረኽብሉ ዕድል ዕፅው ምዃኑ
እቶም ግዳያት ኣብሪሆም።
እቲ ሚኒስተር ኣብ ወርሒ ሓምለ 2005 ዓ.ም “ናይ ምድላው ምዕራፍ
ዝኽረ ተግባር” ብምዝብል ባዓል ሸሞንተ ገፅ ውጥኑ በቲ ናይቲ ትካል ሚኒስተር ስራሕ ምጥንኻር ግቡእ ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብ
ውሽጢ እቲ ውጡን “ቅድሚ ሕዚ ብዝነብሩና ናይ ሴክተራትና ምንቅስቓሳት ናይ ውድብ ምንቅስቓስ ጎሊሁ ይረአ ከም ዘይነበረ፣ ኣብዚ
በጀት ዘመን 2006 ዓ/ም እዚ ኣካይዳ ምቕፃል ኣይካኣልን፤ ዝብል ትእዛዝ ከም ዘውረደን ኣብ ውሽጦም ዘሎ ናይ ውድብ
ምንቅስቓስ ምጥንኻር አባላት’ውን ናይ’ቲ ሴክተር ፖሊስን እስትራተጅን ንምፍፃም ግንባር ቀደም ተራ ክትፃወቱ እንትኽእሉ እዩ
ክብል ከም ዝሓበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
“ኣብቲ ባጀት ዓመት ሴክተራት ሚኒስተር ባህልን ትሪዝምን ነቲ ዝወፀ
ዉጥን ብተግባር ኣብ ምርግጋፅ ተዘይተኻኢሉ መሪሕ ውድብ ኢህወዴግ ኣብቲ ትካል ውሽጢ ዘለዎ መሪሕነት ተራን ውፂኢታውነቱን ኣብ
ምልክት ሕቶ ዝኣቱ እዩ ዝብል ኣብቲ ዝወረደ መምርሒ ተኻቲቱ ከም ዘሎ፣
ብምዃኑ‘ውን ኣብቲ ዉጥን ዝተዘርዘሩ ተግባራት ምፍፃም ከም ወሳኒ ኣንፈት ክውሰድን ናብ ተግባር ክልወጥን ይግባእ”
ዝብል መተሓሳሰቢ ምውሳኹ ተፈሊጡ።
ኢህወዴግ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝገበሮ 9ይ ጉባኤ፤
ቃልሲ ኣባላቱን ቆራፅነትን እናላሕለሐ ምምፅኡ ብምርዳእ ናይ’ቲ ግንባር ዕላማታቱ ናብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ
ብምውራድ። ብሓደ ንሓሙሽተ ጠንካራ ኣወዳድባ ክሃንፅ ምውሳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣባላት
ኢህወዴግ ተዘይኮይኖም ዕድል ትምህርቲ፤ ወሰኽ ደመወዝ፤ ዕቤትን ካልኦት ጥቕማጥቕምን ከም ዘይረኽቡ ብዉሽጣዊ ኣካይዳ እቲ ዉድብ ከም ዝተወሰነ፤ ትካላት ዓለም
ለኸ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ክገልፁ ምፅነሖም ይፍለጥ።