Wednesday, August 21, 2013

ብምኽንያት ምኽባር ስነ ስርዓት ቀዳማይ ዓመት ሞት ኣይተ መለስ ዜናዊ ንምብዓል በቲ ውድብ ዝተገበረ ምድላዉ ህዝቢ ቅቡል ስለ ዘይገበሮ ብሓይሊ ናብ ኣደባባይ ክወፅእ ከም ዝተገደደ ተሓቢሩ።




እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት  2004 ዓ.ም ብሕማም ከም ዝሞተ በቲ ስርዓት ኢፋ ዝኾነ ጉዳይ መለስ ዜናዊ፤ ብሞቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዝተቖጠዐን ካብ ልቡ ከም ዝሓዘነን ክጥቀምሉ ዝፀንሑ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ከይኣክል፤ ኣብ መላእ ከተማታትን ገጠራትን ሃገርና ዝነብር ህዝቢ 1ይ ዓመቱ ንምኽባር ብዝብል ከካይድዎ ዝፀንሑ ጎስጓስ ክቕበሎም ስለ ዘይከኣለ፤ ብሓይሊ ፌዴራል ፖሊስ፤ መደበኛ ፖሊስን ምልሻን ተጠቒሞም ኣገዲዶም ትካላቱን መነበሪ ገዝኡ ዓፅዩ ናብ ጎደናታትን ኣደባባይን ክወፅእ ከም ዝገበሩ ካብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ሞት ኣይተ መለስ ዜናዊ ብሰበስልጣን እቲ ስርዓት ንፖለቲካ ረብሓታቶም ክብሉ ከም ሓደ ዓብዪ ኣጀንዳ ተታሒዙ፤ ንመናዊሒ ዕድመ ስልጣኖም ክብሉ፣ ንሓደ ዓመት ሙሉእ ንሱ ዝገበሮን ዘይገበሮን ብሕታዊ ታሪኹ ደርዲሮም ከካይድዎ ዝፀንሑን ዘለዉን ሕሱር ፕሮፓጋንዳ ዘቖጥዖ ህዝቢ፤ ንሕና ሎሚ ይኹን ፅባሕ ዓመት በዓል ሞት መለስ ንምኽባር ናብ ኣደባባይ ኣይንወፅእን። ቅድሚ መለስ 10ታት ኣሸሓት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ፅባሕ ክወግሕ እዩ እናበሉ። ኣብ ፈቐዶ ሽንጥሮን ኩርባን ህይወቶም ሓሊፉ ሓመድ ኣዳም እኳ ከም ንብር ከይረኸቡ ዝተረፉ ኣለዉ። ምዝካር ተኾኑ ንዕኦም ኢና ክንዝክር ዝግባእ ብምባል ከም ዝተቓወሞም ኣረዲኡ።
ኣይተ መለስ ኣብ ዝሓለፉ 21 ዘመነ ስልጣኖም ነቲ ኣብ በረኻ እናሃለወ ዉድብ ህወሓት ዝኣትዎ ዝነበረ መብፅዓ ሙሉእ ብሙልእ ኣንፈቱ ኣስሒቱ ረብሓ ዉሕዳት ሰዓብቱ ጉጅለን ክርብሑ ብምግባሩ ክኹነን ድኣምበር፤ ንኸምዚ ዝበለ ጠላም መራሒ ክብርን ዝኽርን ንምግባር ኣይንወፅእን ብምባል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ብግልፂ ዝተቓወሙ ሰባት፤ ብ14 ነሓሰ 2005 ዓ.ም ብፌዴራል ፖሊስ ኣሸበርቲ እናተባሃሉ ተታሕዞም ዝተቐጥቀጡን ብሕቡእ ተጨዉዮም ዝተኣሰሩን ከም ዘለዉ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።