Wednesday, August 21, 2013

ኣብ ከተማ ሑመራ ንኣካፋፍላ ግብሪ ኣመልኪቱ ምስ ነጋዶ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይምርድዳእ ከም ዝተበተነ ተሓቢሩ።




ኣመሓደርቲ ስርዓት ወያነ ንኣከፋፍላ ግብሪ ኣመልኪቶም ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ከተማ ሑመራ ምስ ዝርከቡ ነጋዶ ብ9ን 10ን ነሓሰ 2005 ዓ.ም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ብተኣከብቲ ዝቐረበሎም በዳህቲ ሓሳባትን ሕቶታትን ብኣግባቡ ክምልሱ ዓቕሚ ክረኽቡ ብዘይ  ምኽኣሎም እቲ ኣኼባ ብዘይፍረ ከም ዝተበተነ ንተኣከብቲ መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

 ነቲ ኣኼባ ክመርሑ ዝተለኣኹ ልኡዃት እቲ ስርዓት ነቶም ተኣከብቲ ነጋዶ ንሕና ብትኸፍልዎ ዘለኹም ግብሪ መንግስቲ ዕጉባት ኢና ዝብል መእተዊ ጎስጓስ ተጠቒሞም ከም መኽፈቲ ክጥቀምሉ ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ፤ ብወገን ተሳተፍቲ ግና እወ ሓቂኹም ንስኹም ድኣ እንታይ ስኢንኩም? ንሕና ስድራና ደፊና ንዓመታት ዝፀዓርናሉ ሃፍትና ነጊፍና እናኸፈልናኩም፤ ካብ ሕዚ ንዳሕር ግና መስርሒ ገንዘብ ስለ ዘይብልና ሰሪሕና ናብ እንበልዓሉ ዓዲ ክንስደድ ነታ መንቀሳቐሲ ፍቓድ መታወቅያ ተሓባብሩና ክብሉ ብምረት ኣብ ዝተዛረብሉ፤ ኣከብቲ ዝምልስዎ ሲኢኖም ክዓባብጥዎ ብምፍታኖም፤ ዝተለዓለ ኣጀንዳ መዕፅዊ ከይተገበረሉ ከም ዝተበተነ ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።