ተኸታሊ ሃይማኖት እስልምና ዝኾነ ህዝብና፣ መሰል ናይ እምነት ናፅነቱ ክኽበር፣ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ስለ
ዝኾነ፣ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖተይ ኢዱ ምእታው ጠጠው የብል፤ መራሕተይ ባዕለይ እየ ዝመርፅ፤ መንግስቲ ዘምፀኦ ሃይማኖት ኣይቕበልን፤ ኮሌጅ ኣወልያ ብቦርድ ይማሓደር ብምባል ዘበገሶም ሕቶታት
ክሳብ ሎሚ መልሲ ኣይረኸቡን።
ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዓንቀፃት ሕገ-መንግስቲ
ኣኽቢሩ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ መሰረት ብምግባር ንዘልዓሎ ሕቶ ግቡእ ምላሽ ኣብ ክንዲ ምሃብ፣ ንማሕበረሰብ ሙስሊም ዘይውክል ኣሽማት
ብምጥማቕ ፆታን ዕድመን ከይፍለየ ሰፍ ዘይብል ግፍዕን በደልን ይፍፅም
ኣሎ።
ስለ ዝኾነ ድማ
ህዝቢ ማሕበረ ሰብ መስሊም ሃገርና ነቲ ቅድሚ 2ተ ዓመት ኣቢሉ ዝጀመሮ ተቓውሞ ብምሕያል ሕቶይ ይመለስ ብምባል ኣብ ኩሉ ከባቢታት
ሃገርና ዝቕፅሎ ዘሎ።
እዚ ክልተ ዓመት ክደፍን ሒደት ኣዋርሕ ተርፍዎ
ዘሎ ተቓውሞ ሙስሊም ሕብረተሰብ ቁንዑን ዘየሻምን እናሃለወ ስርዓት ወያነ ግን ማሕበረ ሰብ መስሊም ንሃይናነቱ
ደው ስለ ዝበለ ጥራሕ፣ ኣኽረርቲ ሓይልታት ዝብል ሽም ኣጠሚቑ፣ መራሕቲ እቲ ምንቅስቓስን ብርክት ዝበለ ህዝብን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንዎም እዩ።
ነዚ ፍሽል ተግባሩ ደገፍ ካልእ ሃይማኖትን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምርካብ
ክብል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘኣተዎም መራሕቲ ናይቲ ሰላማዊ ተቓውሞ
ዝኾኑ ወገናት፣ ብሓይሊ መግረፍቲ እስላማዊ መንግስቲ ክንምስርት ደሊና ኢሎም ክዛረቡ ብምግባር ጃሃዳዊ ሓራካ ዝተሰምየ ድራማ ሰሪሑ
ከዳናግር ከም ዝፈተነ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ።
ስርዓት ወያነ ሎሚ ድማ ነቲ እከይ ተገባሩ ኣጣናኺሩ ብምቕፃል መሰሉ ንዝሓተተ ሕበረተሰብ ሙስሊም ካብ ካልኦት ኣሕዋቱ ንምንፃልን፣ ብዓይኒ
ፅልኢ ክጥመት ንምግባርን፣ ካብቲ ልሙድ ኣሰራርሕኡ ተደሪኹ፣ ኣብቶም መሰልና ይከበር እናበሉ ድምፆም ዘስምዑ ዝነበሩ ማሕበረ ሰብ
ሙስሊም ናይ ባዕሉ ማሓውር ዘርጊሑ ባንዴራ ክትቃፀል ብምግባር ሙስሊም ባንዴራኻ ኣቃፂሎማ ብምባል ተንኮል እቲ ስርዓት ንዘይፈልጥ ህዝቢ ከደናግር ይፍትን ኣሎ።
ካብዚ ሓሊፉ‘ውን ነዚ ካብ ዝጅምር ብዘይምቁራፅ ኣብ ኩለን መሳጊድ
ሃገርና ንዝካየድ ዘሎ ብርቱዕ ተቓውሞ ንምዕጋት፣ ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ቅሉዕ ዝኾነ ስጉምትታት እናወሰደ ምፅንሑ
ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ እዋን ድማ ብዝበኣሰ መልክዑ ኣብ መዓልቲ ዒድ ኣልፈጥር ናብ ፈጣሪኦም ፀሎት ኣብፂሖም ብሰላም ንገዛኦም
ኣብ ልዕሊ ዝምለሱ ዝነበሩ ዜጋታት ዝተወሰደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ መግለፂ ናይ ሓደ ፋሽሽታዊ ስርዓት እዩ።
ኣብ ዝተፋላለዩ ከተማታት ሃገርና ብዙሓት ዜጋታት ብኣፈሙዝ ብረት ትሕቲ ዕድመ
ቖልዑ ከይተረፉ ዝኣበስዎ ዘይብሎም ተጨፍጪፎምን ብጅምላ እናሓፈሰ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጒኑ ኣብ ልዕሊኦም ኸቢድ መግረፍትን ስቓይን ይፍፅም
ኣሎ።
ስለዚ እዚ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት መሰልኩም ኣይትሕተቱ እናበለ ንዓና
ዓፊኑ ንባዕሉ ኣብ ስልጣን ንክቕፅል ዝገብሮ ዘሎ ኮንቱ ፈተነ ሕልሚ ኮይኑ ንኽተርፍ፣ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ሙስሊም ሕብረተሰብ
ኣልዒልዎ ዘሎ ሕቶ መሰል ሃይማኖት ብምድጋፍ ብሓደ ድምፂ ክላዓልን ኣብ ጎኒ ሙስሊም ኣሕዋቱ ክስለፍን ይግባእ።
ዴሞክራስያዊ
ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ እምባኣር፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ተኸታሊ እምነት እስልምና ዝኾነ ህዝቢ ብስርዓት ወያነ ኢህወዴግ
ዝበፅሖም ዘሎ ኢ-ዴሞክራስያዊ ግፍዕታትን ምግፋፍ ሃይማኖታዊ መሰልን፣ ኣትሪሩ ይቃወሞን ይቃለሶን።
ዴምህት ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሕቶ ሃይማኖታዊ መሰልና ይከበር ብዝብል ዝቕፅል ዘሎ ተቃውሞ ሙስሊም ኢትዮጵያዊያን
ካብ ልቢ ደጊፉ ኣብ ጎኖም ጠጠው ከም ዝብልን ዴ.ም.ህ.ት ደጊሙ የረጋግፅ።
ዓወት ንውፅዓት!!
ዴ.ም.ህ.ት ነሓሰ 2005 ዓ/ም