ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ ንዝቕፅል
7 ዓመት ከገልግል እየ ዝብል ፌርማ ክፍርሙ ንዝግበር ዘሎ ምጉያይ ዘይተዋሓጠሎም ወተሃደራት ንምንታይ ፈርሙ ይበሃል ኣሎ?
ዝኾነ ይኹን መብርሂ ከይተዋሃቦም ክፍርሙ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም፤ ኣብ ልዕሊኦም ክበፅሕ ካብ ዝኽእል ናይ ማእሰርትን ስቅያትን
ስጉምቲታት ንምምላጥ ኣሃድኦም ራሕሪሖም ዝወፁ ዘለዉ ወተሃደራት
ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝበፀሓና
ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ኣሃድኦም ራሕሪሖም ዝኸዱ ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ምክልኻል
ሰራዊት ስርዓት ወያነ፤ ንመዓጓዝያ ዝኾን ገንዘብ ስለ ዝሳኣኑ ፈቐዶ ከተማታት ተበታቲኖም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።