ኣብዚ
ቅንያት ግዕዙይን ፀረ-ሰላምን ምሕደራ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣማሪርዎም ብሓደ ኣንፈት ጥራሕ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ካብ
ዝተፀበሩ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ገሊኦም ንምጥቃስ፦
1.
ቢንያም ይብራህን ካሕሳይ ካፍልን ካብ ዞባ
ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላዕላይኣድያቦ ጣብያ ዓዲ-ክልተ
2.
ገብረሂወት ለማን ባህታ ደጅኣለምን ካብ ዞባ
ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ደጓዓለ
3.
ምሕረትኣብ ወላይ ካብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ
ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ምድረ-ፈላሲ
4.
ፀጋይ ገብረኣሊፍ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ
ለኸ ጣብያ ሓዱሽ-ዓዲ
5.
ወላይ ገ/ዝጊኣብሄር ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ
መረብ-ለኸ ጣ/ማይ-ወዲ-ዓበራይ
6.
በርህዋ ገብርታን ነጋ ኣማረን ካብ ዞባ
ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዕጉብ
7.
ገ/ዝጊኣብሄር ግርማይ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ
ኣሕፈሮም ጣ/ ማይ-ቀያሕታይ
8.
ወዛም ኣብርሃን ሰላማዊት ንጉሰን ካብ ዞባ
ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ወርዓትለ
9.
ካሓሰ ኣለም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም
ጣብያ ሰማሃል
10.
ኢልያስ ገ/ዝጊኣብሄር ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ
መረብ ለኸ ጣብያ ሃፍተማርያም
11.
ወረደ ኣድሓኖምን መርሃዊ ሃፍቶምን ካብ ዞባ
ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ
12.
ሓዮሎም ወላይ፤ ሙልጌታ የማነን ፊልሞን
ኣማንኤልን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ-መኸዳ ጣብያ ኣዲስ-ተስፋ
13.
ግሩም ገ/ፃድቃን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ
ሕፈሮም ጣብያ ሴሮ
14.
ፍስሃ ግርማይን ሸዊት ኣብርሃን ካብ ዞባ
ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዳጎዝ
15.
ሓጎስ ሚኪኤለ፤ ቢንያም ዘረኣብሩኽን ፃዕዳ
በሪህን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሆያ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ናብ ዴ.ም.ህ.ት ተፅቢሮም።
ንሳቶም ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ይኽተሎ
ብዘሎ ዓፋኒን ጨቋኒን ኣካይዳ ኣብ ዓዶም ስሪሖም መነባብርኦም ክመርሑ ስለ ዘይከኣሉ፤ እቲ ስርዓት ብዝኣምነሉ መንገዲ ገጢሞም
ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ስልጣኑ ብምእላይ ፀገሞምን ፀገም ህዝቦምን ክፈትሑ ብረት ኣልዒሎም ኣብ ጎኒ ዴምህት ተሰሊፎም
ክቃለሱ ከም ዝመረፁ ኣረዲኡ።