ኣብ ግንባር ቡሬ ዝሰፈሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ስርዓት
ወያነ-ኢህወዴግ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፤ ደቂ ኣንስትዮ ዓፋር አገዲዶም ከም ዝዕምፁወንን ከም ዝደፍሩወንን ካብ’ቲ ከባቢ
ዝተረኸበ ሓበሬታ ዘረድእ እንትኾን፤ ኣባላት እቲ ሰራዊት ንፈተሻን ንዝተፈላለዩ ስራሕትን ኣብ ዝወፅሉ እዋን፤ ጥሪት ዝሕልዋ
ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ከም ዝደፍርወን ከምዝጋሰስወንን እቲ ሓብሬታ ኣብሪሁ።
ብ3 ነሓሰ /2005 ዓ/ም ኣንዳባ እናተባሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ሓሊማ
ኣህመድ የሱፍ ዝተባሃለት ዕድሚኣ ካብ 45 ክሳብ 50 ዝኾነት ኣደ ብኣባላት ሰራዊት ድሕሪ ምዕማፃ ንፅባሒቱ ተቐቲላ ሬስኣ
ተደርብዪ ዝተረኺኸበ ኮይኑነተን ንሳ ትሕልወን ዝነበረት ከባቢ 20 ዝኾና ኣጣል እቶም ወተሃደራት ወሲዶም ከም ዝበልዕወን
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዝበልዎ ሰራዊት ምክልኻል ስርዓት ወያነ
እንስሳታት ካብ ምምንዛዕ ሓሊፉ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋቶም ብሓይሊ እናደፈረ ምዃኖምን፤ ብፍላይ ኣብ’ዚ ዝተወሰነ እዋናት ኣብ
ልዕሊ ተወለድቲ ዓፋር እናብፅሕዎ ዘለው ስቓይ እናተጋደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምረት ገሊፆም።