Thursday, September 5, 2013

ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዘካየድዎ ዘለዉ ሕቡእ ገምጋም ኣብ መንጎኦም ወልቃዊ ሰሰዐ ዝመንቀሊኡ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ፈለጥቲ ሚስጥር ሊሒኹ ዝመፀና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።






ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ማእኸላይ መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ከቢድ ገምጋም ተፀሚዶም ከም ዘለው፣ ቀንዲ ኣጀንደኦም ድማ እቲ ብቢልዮናት ዝግመት ንብረትን ገንዘብን ህዝቢ ተኸዚኑሉ ዘሎ ትካል ትእምት መን ይምራሓዮ? ከመይ ይመሓደር? ብዝብል ኣብ ዉሽጢም ወልቃዊ ረብሓ ዝምንቀሊዑ ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ንምእላይ ምስሉይ  ገምጋም የካይዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

  እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ  ገምጋም  ንዕቤት እቲ ትካልን ዘኻዕበቶ ሃፍቲ ኣብ ህዝባዊ ረብሓ ንኽወዕልን ተሓሲቡ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ትካል ትእምት ዝርከብ  ብቢልዮናት ዝግመት ገንዘብ  ናብ ውልቃዊ ካዝነኦም ንምኽዛን ዘኽእሎም ኣሰራርሓ ንምትእትታውን ንስርቒ ንኽጥዕሞምን ብምሕሳብ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንምሻም ዝተወጠነ ወዲት ምኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ። 
   እቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ህወሓት እቲ ንወልቃዊ ረብሐኦም ክብሉ ዘካይድዎ ዘለዉ ገምጋም ምስ ወድኡ፤ ሓዱሽ መንግስታዉን ዉድባዉን ኣወዳድባ ከም‘ዉን ኣብ ዉሽጢ ሰበ-ስልጣን ምጭፍላቕን ምቅይያርን ክህሉ ከም ዝኽእልን። ድሕሪ እዙ ምዝዛሙ ኾራኹሮም ዝኾኑ ዉድባት ኢህወደግ፤ ንኣምባሳደራት፤ ተወከልቲ መንግስታትን ብቕደም ሰዓብ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብሓፈሻ ድማ ኣብ መዋቕር እቲ ስርዓት ምቕይያራት ዕላምኡ ጌርዎ ከም ዘሎ ዋላ’ኳ እንተተገልፀ። እዙ ፀገም ህዝቢ ዝፈትሕ ከም ዘይኮነ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ።