Thursday, September 5, 2013

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብትራንስ ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ትካል ትእምት እትውነን መኪና ብ27 ነሓሰ 2005 ዓ/ም ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዘብፀሐት ተገሊፁ።




ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ከባቢ ከተማ መኾኒ  ቁሸት ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ እዛ ብትራንስ ኢትዮጵያ እትውነን መኪና ብዘዉረደቶ ሓደጋ ህይወት 17 ሰባት ከም ዝቐዘፈተን፤ ቁፅሮም ብልዕሊ ዘይተፈልጡ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከም ዘብፀሐት እቲ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
   በቲ ጉቡእ ጥንቓቐ ከይተገብረላ እትግናሕ ዝነበረት መኪና  ሚዛና ስሒታ ኣብ ዝኸደትሉ  መነብሪ ገዛ 4 ስድራ  ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ንብረቱ ክተዕንዎ  ከም ዝኸኣለት ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እዚ ኣብ ከባቢ ሞኾኒ ብሸለልትነት ኣጋጢሙ ዘሎ   ሓደጋ  ትራፊክ ኣብ  ህዝቢ ዘብፀሖ  ከቢድ ጉዳትን  ከም ሓደ  ኣብነት ደኣ ተገሊፁ እምበር፤ እዚ ከምዚ ዓይነት ፍፃመ ኣብ ሙሉእ ሃገርና ዝረአ ዘሎን ክትትል ዝጎደሎ ኣስረራሓን ብሰፊሑ ከጋጥም ከም ዝፀነሐ ይፍለጥ።