Friday, September 6, 2013

ብ28 ነሓሰ 2005 ዓ/ም ካብ ከተማ ደሴ ንመቐለ ትጓዓዝ ዝነበርት ናይ ህዝቢ መመላለሲት ኣውቶቡስ ብምግልባጣ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሓ።



ካብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ተበጊሳ ናብ ከተማ መቐለ ህዝቢ ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብሰንኪ ብልሹዉን ዘይጥጡሕን ፅርጊያ ክትግልበጥ ከም ዝኸኣልት ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ሳዕቤኑ ከዓ ኣብ ውሽጣ ካብ ዝነበሩ ተሳፈርቲ እቶም 15 ሰባት ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም እንትስእኑ፤ ቁፅሮም ዘይተፈልጡ ድማ  ከቢድን ቀሊልን ሓደጋ በፂሕዎም ሕክምናዊ ረድኤት እናተገብረሎም ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።
   እቲ ግቡእ ክትትል ዝምልከቶ ኣካል ዝሰኣነ ፅርግያ ብዝናብን ዉሕጅን ተባሕጒጉ እናሃለወ ምንም ሕድሳት እንተይተገብረሉ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝርከብ ኮይኑ፤ ብሰንኩ ድማ እታ ናይ ህዝቢ መመላለሲት ኣውቶቡስ ክትግልበጥ ከም ዝኸኣለትን ምሉእ ብምሉእ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወት ሰብ ምጥፉኡን ንብረት ምዕናውን ብሸለልትነት ዘይሓላፍነታዊ ናይቲ ስርዓት ምዃኑ ሰብ ሞያ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬት ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ከባቢ ከተማ  መኾኒ  ቁሸት ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ብትራንስ ኢትዮጵያ እትውነን መኪና ብ27 ነሓሰ  2005 ዓ/ም ተገልቢጣ ህይወት 17 ሰባት ከም ዝቐዘፈትን ካልኦት ቁፅሮም ዘይተፈልጡ ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድእት ከም ዘብፀሐት ይዝከር።