ብመሰረት’ቲ
ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዝርከቡ መኽፈልቲ ግብሪ ምስ ዓቕሚ እቲ ነጋዳይ
ዘይመጣጠን ግብሪ የኽፍልዎ ምህላዎምን ድሕሪ ምግላፅ፤ ምስ
ካድረታትን ኣባላትን ወያነ ዝተቐራረቡን ጉቦ ንዝሃቡን
ውሑድ ገንዘብ እንትኸፍሉ፤ ነቶም ኣብ ስረሖም ተፀሚዶም ናብርኦም ዝመርሑ ነጋዶ ድማ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ የኽፍልዎም ብምህላዎም
ኣብ ክሳራ ወዲቖም ትካሎም ክዓፅዉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
እቶም
ልዕሊ ዓቕሞም ብዓሰርተታ ኣሻሓት ዝቑፀር ገንዘብ ብሽም ግብሪ ክኸፍሉ ዝግደዱ ዘለዉ ነጋዶ፤ “ንሕና ምስ ዓቕሚ
ኣታዊና ዝመጣጠን ግብሪ እምበር፤ ብመፅናዕቲ ዘይተደገፈ ልክዑ ዝሓለፈ ግብሪ ዘኽፍል ዓቕሚ የብልናን ብምባል ብወከልቶም
ብተደጋጋሚ በብደረጅኡ ክሳብ ክልል ጥርዓን እኳ እንተቕረቡ ሕትኦም ስማዒ ከምዘይረኸቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ካብቶም
ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ዝተገደዱ ነጋዶ ኣይተ ፍስሃ በርሀ
ወናኒ መሸጣ ኮንጎ ጫማ 40 ሽሕ ብር ኣይተ ፀጋይ ገብረማርያም
ወናኒ ሸቐጣ ሸቐጥ /ግሮሶሪ / 190 ሽሕ
ብር ክኸፍሉ ዝተገደዱ ገሊኦም ኮይኖም፤ ነቲ ኣብ ልዕልኦም
ዝተወሰነ ግብሪ ህዝቢ ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራራሓ ብምባል ኣጥቢቑ ይኹንኖ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።