Monday, September 9, 2013

ማእኸላይ መርሕነት ዉድብ ህወሓት ሕሉፍን መፃእን ስራሕ ንምግምጋም ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብወጥርን ምስሕሓብን ከም ዝዛዘሞ ተገሊፁ።



ህወሓት ከም ህወሓት ዓቕምታቱ ተበታትኑ እዩ ዝበለ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ካብዚ ኣፀላልይዎ ዘሎ ምብታታን ዘይምትእምማንን ንምድሓን ብቐፃሊ ነገራት ኣብ ምፍሓስ ዝተፀመዱ ናይዚ እዋን ላዕለዎት ኣመራርሕ እቲ ዉድብ፤ ዘልዕልዎ ሓሰባትን ዘመሓላልፍዎ መምርሕታትን በቶም ታሕተዎት ኣመራርሓ ተቐባልነት ስኢኑ ዉድቂ ብምኳኑ ኣብ ክንድኡ ናይ ባዕሎም ስምዒትን የገድስ ዝበልዎ ኣርእስታትን እናልዓሉ ነቲ ዝተኣከብሉ ኣጀንዳ ብዘይፈረ ክተርፍ ምግባሮም ዉፅኢት ዉድቐቶም  መርሕነት ህወሓት ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዉሽጢ ኣመራርሓ ህወሓት ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍጣጥ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ፈሊጥዎ ስለ ዘሎ፤ እቲ ንኸምስሉን ኣለና ንምባልን ብሚድታቶምን ኮራኹሮምን ኣቢሎም ዝነዝሕዎ መደናገሪ ፕሮፖጋንዳ ብሓደ ድምፂ ይነፅጎ ከም ዘሎን፤ እኳድኣ ህዝብና ጉጅለ ህወሓት ረብሓታቶም ንምዉሓስ ክብሉ ከይመላልእዎ ብንቕሓት ይከታተሎምን ባዕላዊ መማረፂታት የዋዲድ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እቲ ኣብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ መፍትሒ ዝሰኣነ ምፍጣጥ ናብ ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ዝነበሩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዘዝቲ ሰራዊት ልሒኹ ንኣዋዳድባ እቲ ሰራዊት ኣፈተና ኣእትዎ ከም ዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።