ማእኸል ቤት ፅሕፈት ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ቆላሕታ ዝምልከቶ ኣካል
ብዝሰኣነ ስእነት ዝሰተ ፅሩይ ማይ ነባራይ ህዝባ ንዓመታት ክሳቐ ዝፀነሐ ኮይኑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግና ልዕሊ ማንም እዋን ዝነወሐን
ዝኸፈአን ፀገም ተቓልዑ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
እቲ ስእነት ዝስተ ፅሩይ ማይ ኣብ መላእ ከተማ መቐለ ኣጋጢሙ ዘሎ ኮይኑ፤ ብፍላይ ከዓ ኣብ ሃይደር፤
ቀበሌ 03፤ 18ን ዓዲ ሽንዱሕን ንዝሓለፈ ስለስተ ወርሒ ንሓንቲ መዓልቲ’ዉን ትኹን ማይ ቡንባ ከምዘይረኸቡን ነቲ ኣጋጥምዎም
ዘሎ መፍትሒ ዝሰኣነ ፀገም ፅሬቱ ዘይሓለወ ዕቋር ማይን ዒላታትን ንምርካብ ኣብ ገልታዕታዕ ግዜኡ ንኾንቱ የባኽኖ ከም ዘሎ
ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብተመሰሳሊ ኣብ ከተማ ዓብዪ
ዓዲ/ተምቤን/ መፍትሒ ዝሰኣነ ፀገም ስእነት ማይን ምቁርራፅ ኣገልግሎት መበራህትን ብምህላዉ፤ ህዝቢ መዓልታዊ ህይወቱ ብኣግባቡ
ክመርሕ ተፀጊሙ ከም ዝርከብ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።