ካብ ዉትህድርና ክሰናበቱ ሓቲቶም ዘይተመለሰሎም
በብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ተጠቕሞም ምጥፍኦምን ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ ካብ
እዋን ናብ እዋን ቁፅሮም እናወሰኸ ምዃዱ ካብ ክፍለ ሰራዊት ንታሕቲ ኣብ ዝርከቡ ኣዘዝቲ እምነት ዝሰኣኑ ላዕለዎት ሓላፍቲ
ዘለዎም ስግኣት ንምቅላል በብደረጅኡ ዘለዋ ኣሃዱታት እናጨፍለቑ ኣብ ትሕቲ እሙናት ዝበልዎም ኣዘዝቲ ይፅንብርወን ከም ዘለዉ
ካብ እዝታት ምክልኻል ሰራዊት ወያነ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብተነ ናይ ምጭፍላቕ ዕጫ ዘጋጠመን ንምጥቃስ
ኣብ ሰሜን እዝ ክፈለ ሰራዊታት 14ን 19ን ዝተጨፍለቓ እንትኾና። ኣብዘን ክፍለ ሰራዊት በብደረጅኡ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ኣብ
ዝተኻየደ ገምጋም ካብ ሓላፍነቶም ዝተኣለዩ ብርክት ዝበሉ ከም ዘለዉን ኣብ ክንድኦም ብሓደሽቲ ኣመራርሓን ምጭፍላቕን ክሽፈን
ተጌሩ ከም ዘሎ እቲ ሓባሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
እቶም ንዝቕፅል ሸዉዓት ዓመት ንምግልጋል ፈርሙ
ተባሂሎም ዝኣበዩ ክሳብ ሕዚ ዘልዓልዎ ሕቶ ምስንባት ከም ዘይተመለሰሎምን፤ ቅድም ክብሉ ፈሪሶም ንዓዶም ዝኸዱ ኣባላት ሰራዊት
ከዓ። ብመራሕቲ መስርዖምን ጋንትኦምን እናተኣረዩ ክመፁ ብምግባር ባዶ ተሪፈን ንዝነበራ ኣሃዱታት መመልኢ ይጥቀምሎም ከም ዘለዉ
ተፈሊጡ።