እቲ
ኣብ ከተማ ሽረን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ሃገርናን ዝነብር ህዝቢ ፍርሕን ራዕድን ፈጢርካ ንምትላል ዝጥቀምዎ ዘለዉ
ሜላ፤ ኣብ መንጎና ኣኽረርቲ ኣትዮምና፤ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ልኡኻት ኣሸበርቲ ስለ ዝኾኑ ከይትሰምዕዎም፤ ህዝብና ኣብዚ ግዜ
ሓደጋ ዕንወት ኣፀላልይዎ ኣሎ እናበሉ ባዕሎም ዝሰርሕዎ ብሓሶት
ዝተባዕጠ ድራማን ፊልምታትን ብሓይሊ ክርኢ ብምግባር ከእምንዎ
ዋላኳ እንተፈቱኑ ክኾነሎም ከም ዘይከኣለ ተሓቢሩ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ካድራታት ወያነ ቅድሚ ሕዚ “ጀሃዳዊ ሓረካትን ኣኬል
ዴማን” ብዝብሉ መእመኒ ዘይብሉ ድራማታት ንነዊሕ እዋናት ከታልሎ
ምፅንሑ ህዝቢ ብዕምቆት ነቲ እከይ ተግባር ወያነ-ኢህወዴግ ስለዝነቐሐሉ ‘ሎሚስ ተረዲኡና እዩ ዝቐደመ ዝዐሸኹምና ይኣኽሎኩም’ ብምባል ተቃውሞኡ የስምዕ
ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ብካልእ ወገን ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል
ብምቁራፅ ኔት ወርክን መብራህቲን ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣብ ምምራሕ ዓብዪ ዕንቅፋት ኮይንዎም ብምህላዉ ብሰንኩ
ንከቢድ ፀገም ምስጣሖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣብዘን ዝተጠቐሳ ከተማታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ
ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።