እቶም
መነባብሮኦም ንምምራሕ ካብ ዝተፈላልዩ ከባቢታት ሃገርና ናብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብምኻድ ኣብ መዓልታዊ ናይ ጉልበት ስራሕን ሸቐጣ ሸቐጥን
ተዋፊሮም ዝርከቡ ዜጋታት፤ እቲ ስርዓት ዘዋፈሮም መጋበርያ ሰበ ስልጣን ወያነ ብዝኾኑ ዕሱባት ብከባብን ዓሌትን ከፋፊሎም
ነንሕድ ሕዶም ከይተኣማመኑን ክናቖቱን ብምግባር የቃትልዎም ስለ
ዘለው ዉሕስና ስኢኖም ነቲ ዝጀመርዎ ስራሕ ገዲፎምን ንህወቶም
ጥራሕ ከድሕኑ ነናብ ከባቢኦም ክመለሱ ይግደዱ ብምህላዎም፤ ብዙሓት ሃፋትም ሰብ ሕርሻ ዝዘርእዎ ኣእኻል ፃህያይ ዝፅሄሎም
ሰራሕተኛ ብምስኣኖም ንክሳራ
ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ እቶም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ጠረፍ
ሱዳን ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ሑመራ ሰሪሖም ክምለሱ ብመንግስቲ ዝተለጠፈ መደናገሪ ማስታወቅያ
ብምርኣይ ካብ ኩለን ከተማታት ገጠራትን ሃገርና ዝኸዱ እንትኾኑ፤ እንተኾነ ግና ኣብ ዓብዪ ወጥሪ ዝርከብ ስርዓት
ወያነ-ኢህወዴግ ብሓደ ሓቢሮም ኣብ ልዕልኡ ስጉምቲ ከይወስዱ ካብ ዘለዎ ስግኣት ነንባዕሎም ክቃተሉን ብዓይኒ ጥርጣረ ክረኣኣዩን
ከም ሓደ መደብ ስራሕ ሰባት ኣዋፊሩ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ካብ
ከተማ ሑመራ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።