ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዝወርዶ ወጽዓን ሕሰምን ሓራ ንምኻንን መሰሉ ንኽኽበርን ንብዙሕ ዓመታት ዘካየዶ መሪር
ቃልሲ ብሽም ህዝቢ ብዘላግጹ ኣፍታ ሃገር እናተበራረዩ ኣብ መምበረ ስልጣን እተቖየጡ ውልቀ መለኽቲ መሰሉ እናተመዝዐ ምንዮቱ ከይሰመረሉ
ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ይርከብ፣
ብፍላይ ንሕቶ ህዝቢ መሰረት ገይሩ ዝተበገሰ ስርዓት ኢህወዴግ ውፅዓት ህዝብታት ኢትዮጵያ ናጽነቶምን መሰሎምን
ንኽኽበረሎም ዘካየድዎ ኣብ ጸሊም አፍሪካ ውሑድ መዳርግቲ ዝርከቦ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ ፤ ዝተበገስሉ ህዝባዊ
ዕላማን ሕድሪ ሰማእታትን ብምጥላም ካብ ስርዓት ደርጊ ብዝኸፍአ መልክዑ ንህዝቢ ብምዕፋን ፤ መሰረታዊ ሰብአዊን ዴሞክራሲያውን መሰላት
ብምርጋጽን ንኹሎም አማራፅታት ሰላማዊ ዴሞክራሲያዊ ቃልሲ ብምዕፃውን ንባዕሉ ከም ሓደ አርሓ ውድብ ብምቑፃር ‘ዛእንባይ መን ይወርሳ
እናበለ ብምትፍናን ምልካዊ ኣገዛዝእኡ ኣበርቲዑ ይቕጽለሉ’ሎ፣
ካብ ሓደ ገባርን ሓዳግን ስርዓት ከም ህዝቢ ሓራ ንምውፃእ እቲ ፍቱን መንገዲ ህዝባውን ህዝባዊ ቃልስን
ጥራይ ምኻኑ ዘካትዕ ኣይኮነን፣ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ህዝቢ ካብ ተፃዒንዎ ዘሎ ዓርዑት ጭቆና ምልካዊ ስርዓት ኢህወዴግ
ንምንጋፍ በብኣንፈቱ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ሓዊስካ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካዩዱ ውድባት ከምዘለው ዝፍለጥ ኮይኑ ዕላማ ናይቲ ዝካየድ
ዘሎ ቃልሲ ክኣ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንኸይነግስ ዓንቂፁ ንዘሎ ስርዓት ኢህወዴግ ኣሊኻ ዴሞክርሲያዊ ስርዓት
በህዝባዊ ሱታፌ ምርግጋጽ’ዩ፣
ብዙሓት ፖለቲካዊያን ውድባት ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፀረ-ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ብምቅዋም ምቅላስና ዝድገፍ’ዃ
እንተኾነ በብኣንፈትናን በበይንናን እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ግን ሓደ ውሁድ ሓይሊ ፈጢሩ ክንቀሳቐስ ስለዘይካኣለ ዛጊድ ከም ሃገር
እቲ ዝድለ ውፅኢት ክመፅእ አይከኣለን፣
ኣብ’ዚ መዳይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ካብ ዝርከባ ፖለቲካዊያን ውድባት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ
ትግራይ/ዴ.ም.ህ.ትን ግንባር ህዝብታት ኢትዮጵያ ንፍትሕን ማዕርነትን (ግ.ህ.ኢ.ፍ.ማ) ቅድሚ ዓመታት ማለት እዚ ናይ ሎሚ ግ.ህ.ኢ.ፍ.ማ
ግምባር ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ንፍትሕን ማዕርነትን(ግ.ህ.ደ.ኢ.ፍ.ማ) ካብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣትሒዙ ክልቲኦም ውድባት ሕቶ ህዝቢ
ተሓንጊጦም ንዘበናት መልሲ ዘይረኸበ ናይ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሕቶ መልሲ ንኽረክብ ብሕብረት እናሰራሑን ኣብ ዝተፈላለዩ ወታሃደራዊ
ስርሒታት ብምስታፍ ብሓባር መስዋእትነት እናኸፈሉን መፅዮም፣
ሎሚ’ውን እንተኾነ ሀገራዊ ወድዓዊ ኩነታት ብዑምቀት ብምግምጋምን እዋናውን ተባራዕን ሕቶ ህዝብና ኣብ እዋኑ
ግቡእ መልሲ ክረክብ ስለዘለዎ በበይንኻ ካብ ዝካየድ ቃልሲ ወፂእኻ ውህደት ፈጢርካ ተወሃሂድካን ብሓባር ምቅላስ ወሳንን ግቡእን
ምኻኑ ብምእማን ዝጀመርናዮ ውህደት አደልዲልና ዘበገስናዮ ዕላማ ኣብ ሽቱኡ ክሳብ ዝበፅሕ ኣድላይ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልዋት ምኻንና ንውፁዕ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፈተውቱን ነበስር፣
ኣብ መንጎ ክሊቲኦም ውድባት ናይ ዕላማ ኮነ ናይ ፖለቲካ ፕሮግራም መሰረታዊ ዝበሃል ኣፈላላይ ስለዘየለ
ብሓባር እናሰራሕናን ዝያዳ እናተቐራረብናን ውፅኢት ሓበራዊ ዕዩ ብተግባር እናረኣናን እናተገንዘብናን ስለዝመፃእና ኣብ መንጎ ክሊቲኦም
ውድባት ንዝፀንሐ ምትሕብባር ናብ ውህደት ብምስግጋር ሓደ አካል ኮይንና ንምቅላስ ወሲንና’ለና፣
ለበዋ
ኩሎም ንስርዓት ኢህወደግ ብምቅዋም ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ፖለቲካዊያን ውድባት ኣሰርና ክስዕቡ ንፅውዕ፥
ኣፍቲ ነካይዶ ዘለና ዕጥቃዊ ቃሊሲ ኩለመዳያዊ ሓገዝካ ዘየተፈለየና መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓገዝካ ዝያዳ
ብምሕያል ክትቅፅለሉ ንፅውዕ፥
ዓወትንውፀዓት!!
መስከረም 2006 ዓ/ም
ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ
ህዝቢ ትግራይ ግንባር ህዝብታት ኢትዮጵያ
ንፍትሕን ማዕርነት
(ዴ.ም.ህ.ት)
(ግ.ህ.ኢ.ፍ.ማ)