ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ
ዘልዕሎ ዘሎ ዓመፅ ዘስገኦም ተኣመንቲ እቲ ስርዓት ‘ውሕጅ ከየመፀ መንገዲ ውሕጅ ፅረግ’ ብምባል። ገንዘብ ህዝብን ሃገርን
ብምሓዝ ናብ ወፃኢ ሃገራት ይስደዱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ። ከም መቐፀልታ ናይዚ ከዓ ብ22 መስከረም 2006 ዓ/ም
ኣብ ከተማ ኣዳማ ካብ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ሚኒስትሪ ገንዘብ
ዲኤታ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ስምኦን ኣየለ ዝተበሃለ ሽሞኛ።
ምስቶም ምስኡ ዝስርሑ ሓለፍቲ ብምምሽጣር ብስራሕ ኣመኽንዮም ዝሃብዎ 70 ሚልዮን ብር ሒዞዎ ከም ዝጠፈአ ተገሊፁ፣
ነባራይ ህዝቢ ከተማ ኣዳማ ንመሰረተ ልምዓት ተባሂሉ ዝተመደበ
ባጀትን። ብካድረታት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ወገሐ ፀብሐ ብሽም ግድብ ኣባይ፤ ንፋውንደሽን መለስን ካልእን እናተብሃለ ካብ
ደመወዝ ስራሕተኛታትን እናተቖርፀን ካብ ነጋዶ ብሓይሊ ክፈሉ እናተበሃሉ ዝተኣከበ ገንዘብን። ኣብ ዝተሓሰበሉ ከይወዓለን መመሓየሺ
ውልቃዊ መነባብሮ ሽሞኛታት ወያነ ምውዓሉ ዝተዓዘቡ ነበርቲ ኣዳማ መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድም ክብል ሰበሰልጣን ኣብ ስልጣን
ዝርከብ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ካብ ናይ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን
ዝመንዝዕዎ ልዕሊ 12 ቢሊዮን ዶላር ኣብ ናይ ወፃኢ ሃገራት ባንክ ምኽዛኖም ከይኣክል በብኣንፈቱ ዝጠፋኡ ሰባስልጣን ብተመሳሳሊ
ብሚሊዮናት እናሓዙ ምጥፋኦም እቲ ስርዓት ብግዕዝይና ዝበስበሰን ዕድመ ስልጣኑ እናሓጸረን እዩ ክብሉ ገለ ወገናት ሪኢትኦም
ይህቡ ከምዘለው እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ የመልክት፣