ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና እዚ ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ኣብ ኩለን እዝታት ዝፍፀም ዘሎ ተግባር እኳ እንተኾነ ብፍላይ ኣብ ሰሜን እዝ፤ ኣብ
ናይ መበል ክፍለ ሰራዊት 11 6ይ ረጅመንት ዝኾኑ ኣባላት
ሰራዊት 3ተ ሓለቓ ሓምሳ፤ 3ተ ሓለቓ ዓሰርተን ሓደ መጋቢ ባሻን ዝርከብዎም ኣብ ውሽጢ እቲ
ሰራዊት ዘሎ ግዑዙይ ኣሰራርሓን ኣፈላላይን ዝፈጠሮ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ነቲ ተግባር ብምቅዋምን ኣስታት 19 ዓመት ኣብ ውትህድርና ኣገልግሊና እናሃለና ሎሚ ንሸውዓተ
ዓመት ኣብ ውትህድርና ዘፅንሕ ኣይንፍርምን ዘገልገልናዮ ይኣኽለና ናብ ስድራና ኣፋንውና ኢሎም ሰማዒ ብምሳኖም ተወዲቦም ምስ ምሉእ ዕጥቆም ነቲ ምክልኻል ራሕሪሖም ክጠፍኡ ከም ዝተገደዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
ብተመሳሳሊ
እዚ ተወዲብካ ምስ ምሉእ ዕጥቅኻ ነቲ ምክልኻል ሰራዊት እናራሕራሕኻ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ምጥፋእ ኣብ ኩለን እዝታት ምኽልኻል
ሰራዊት ገዛኢ መንግስቲ ወያነ-ኢህወዴግ ወትሩ ዝረአን ዝፍፀምን ዘሎ ምዃኑ ይፍለጥ፣፣