እዞም
ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እንደርታ ዙርያ ኲሓን ከባቢኡ ዝነብሩ ዜጋታትና ብፍላይ ወርሒ ሰነ ካብ ዝብሕት ጀሚሩ ክሳብ
11 ሰነ 2006 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ በቶም
ኣምሓደርትን ዕጡቛትን እናተገደዱ ናብ ኣኼባ ብሓይሊ
ይወፁ ከም ዝነበሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ነበርቲ ዕለታዊ ሰራሕና ክንሰርሕን መነባባሮና ክንመርሕን
ኣይከኣልና ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረረቶም ከም ዝገለፁ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ኣጀንዳታት ናይቲ ኣኼባ እንትገልፅ፣ 2006 ዓ/ም ከመይ ከም ዝተሓለፈን ቀፃሊ ዓመት 2007
ዓ/ም ንዝግበር መረፃ ተኣሳሲሩ ብኸመይ ክንከይድ ኣለና?፤ ዕድሚኡ ዝኣኸለ ዝኾነ ትግራዋይ ኣባል ህወሓት ክኸውን ኣለዎ ናይ
ስራሕ ዕድል ድማ ክኽፈተሉ እዩ ዝብሉን ካልኦትን እንትኾኑ እቲ
ተኣካቢ ህዝቢ ግን በቶም ኣመሓደርቲ ዝቐረበ ሓሳብ ከም ዘይተቀብሎን ተቓውሞኡ ከም ዘስመዐን ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ ኣሎ፣፣