Wednesday, June 25, 2014

ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከቡ ትካላት ተቖፂሮም ዝሰርሑ ዋርድያታት ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ብዝተዋፈሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ይቐተሉ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ መናሃርያ ዋርድያ ተቖፂሩ ዝሰርሕ ተኽለወይኒ ዝተበሃለ ዉልቀ ሰብ ሻምበል ሃይለ ወይ ከኣ ዓንቂ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኣባል ምክልኻል ብዛዕባ ኣብቲ መናሃሪያ ክሓቶ ዝግበኦ ሕቶ ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ ንምንታይ ትሓተኒ ኣለኻ ብዝብል ቁጠዐ ኣብ ዝተለዓለ ቖይቚ ብዝዓጠቖ ብረት ተኲሱ ከም ዝቐተሎ ተፈሊጡ፣፣

እቲ ኣባል ምክልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ ዝኾነ ኣዛዚ  ሰብ ብምቕታሉ ንግዚኡ ተኣሲሩ እኳ እንተነበረ ላዕለዎት ኣዘዝቱ ምስ’ቶም ኣሲሮምዎ ዝነበሩ ፖላዊስ ተመሻጢሮም ጉዳዩ ከይተፃረየ ሽዑ ንሽዑ ኣዉፂኦም ዝወሰድዎ እንትኾኑ ስድራ መዋቲ ቀታሊ ሓውና ኣበይ ኣሎ ኢሎም ኣብ ዝሓተትሉ እዋን ጉቡእ ዘይኮነ መልሲ ብምሃብ ዳግም ከይሓቱ ኣፈራርሖም ከም ዘባረርዎም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣