Saturday, June 28, 2014

መናእሰይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ መእረዪ ወርቂ ቦታ ወርቂ ክኣርዩ ብ12/ሰነ/2006 ዓ/ም ኣብ ዝተንቃሳቐስሉ ንዴምህት ስንቂ ክተቐብሉ ኢኹም ደሊኹም ተባሂሎም ከም ዝተኣሰሩ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም፣፣



  ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ክልተ ካብ ዝነብሩ መናእሰይ ብርክት ዝበሉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቀላጮዖ ናብ ዝተብሃለ ፍሉይ ቦታ ከይዶም ወርቂ ክኣርዩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ምክልኻል ሰራዊትን ፖላዊስን ንስኹም ወርቂ ክትኣርዩ ዘይኮንኩምስ ንዴምህት ስንቂ ክተቕብሉን ክትተሓባበሩን ደሊኹም ኢኹም ብምባል ነቶም ኣረይቲ ወርቂ ብሓፈሻ እናቐጥቀጡ ከም ዝኣሰርዎም ተገሊፁ፣፣

  ነባሪ ህዝቢ እታ ጣብያ ድማ ልዕሊ ዓቕምና መዳባርያ ብመንግስቲ ዉሰዱ እናተብሃልና ዝወሰድናዮ መኽፈሊ ስኢና ስሬኹም ብኽሳድኩም ኣዉፂኡዋ ብዝዓይነቱ ብዕዳ ተታሒዝና ኣብ ዘለናሉ ጉልበትናን ረሃፅናን ኣፍሲስና ወርቂ ኣሪና ዕዳና ከይንኸፍል ብወተሃደራትን ፖላዊስን ሽምና እናፀለመ ክንጭፍጨፍን ክንእሰርን ኣብ ዓድና ቅሳነት ስኢና ርግኣት ዘይብሉ ህይወት ንመርሕ ኣለና ብምባል ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ መረርቶም ይገልፁ ምህላዎም እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣፣