ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ
ትግራይ ከባቢ ዳንሻ ኣብ ዝርከብ ትካል ሂወት ሕርሻ መካናይዘሽን
ተሓዚ ሒሳብ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ኣይተ ናስር 135 ዝብል ናይ ሒሳብ ቼክ ተጠቒሙ ኣብ ከተማ ጎንደር ካብ ዝርከብ ወጋገን
ባንክ ብ13 ሰነ 2006 ዓ.ም ንሓሙሽተ ሚኢቲ ኩንታል እኽሊ
መግዝኢ ተባሂሉ ዝተፈቐደ ክልተ ሚልዮን ቅርሺ ኣውፂኡ ሒዝዎ ከም ዝተሰወረ ተፈሊጡ፣፣
ውድብ
ህወሓት ነቲ ብሽም ህዝቢን ሃገርን ካብ ዝሽቀጠሉ ውልቀ ሰባት
ዝርብሕሉ ዘለው ሂወት ሕርሻ ሜካናይዜሽን ገንዘብ ሒዙ ንዝተሰወረ ናስር ንምድላይ ኣባላት ፀጥታን ድህንነትን ዋላኳ እንተዋፈረ ክሳብ
ሕዚ ክረኽብዎ ከም ዘይክኣሉን እቲ ውልቀ ሰብ ነቲ ገንዘብ ሒዙ ካብ ሃገር ወፂኡ ከም ዝኸዉን ናይ ቡዙሓት ወገናት ግምት ምዃኑ
እቶም ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም፣፣