Monday, June 30, 2014

ኣብ ታሕታይ ኣድያቦን ከተማ ሸራሮን ነበርቲ ዝኾኑ ነባራት ኣባላት ህወሓት ዉፅኢት ብዘይብሉ ገምጋምን ነቐፌታን ብሓፈሻ ኣካይዳ ናይቲ ዉድብ ኣፅልኢዎም ዝወፁ ንክምለሱ ካብ 15/ ሰነ/ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ብካድረታት ይጥበሩ ከም ዘለው ምንጭታትና ሓቢሮም፣፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳታት ገጠር ታሕታይ ኣድያቦን ከተማ ሸራሮን ዝርከቡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ዉድብ ህወሓት ኣትሒዞም ካድረታትን ኣባላትን እቲ ዉድብ ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ዉፅኢት ብዘይብሉ ተደጋጋሚ ኣኼባታት፤ ገምጋምን ነቐፌታን መራሕቲ ህወሓት ኣሰልችይዎም ኣባልነትኩም ይትረፈና ኢሎም ወፂኦም ዝፀንሑ ወገናት ዳግም ንኽምለሱ ጥብቕ ብዝበለ ጥበራን ልመናን ዝመልኦ ሕቶ ከም ዝቐረበሎም ምጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም፣፣

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመሓደርቲ ህወሓት ኣብ’ቲ ከባቢ ከም ሓደ ዓብዪ ኣጀንዳ ሒዞም ዝቀሳቐሱ ዘለዉ ካብ ህወሓት ተሰናቢቶም ዝፀንሑ ኣባላት ቅድሚ መረፃ 2007 ዓ.ም ዳግም ንምምላስ  ዝጥቀምሉ ዘለዉ መስበኺ ሓሳባት “ዉድብኩም ህወሓት ንመን ገዲፍምኮሞ ትኸዱ ኣለኹም፤ ካብ ህወሓት ዘርሕቕ እንታይ ኣጋጢምኩም፤ ጥራይ ተመለሱ እምበር ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ክግበረልኩም’ዩ …” ወዘት እናበሉ’ኳ እንተሰበኹ ሰዓቢ ክረኽቡ  ከምዘይከኣሉ ተፈሊጡ፣፣

ካብ’ቶም ንኽምለሱ ዝተሓተቱ ካድረታትን ኣባላትን ዝነበሩ ንምጥቃስ።
1.  ወ/ሮ መድህን፤ ወ/ሮ ፅገ ሃለስላሰን ኣይተ ኪሮስ ዝተብሃለ ጉዱኣት ኲናት ነበርቲ ከተማ ሸራሮ፤
2.  ኣይተ ገብረመስቀል ዓንደ ካብ ብሄር ኩናማ
3.  ሻለቃ ተኽላይ ገብረማርያምን ደስታ ሃይለን ነበርቲ ከተማ ዓዲ ሃገራይ እንትኾኑ።
ብፍላይ ሻለቃ ተኽላይ ዳግም ናብ ኣባልነት ንኽምለስ ምስ ሓተትዎ “ንሱኹም ከም ዘይተድልዩኒ ፈሊጠ ኣቐዲመ ወፂአ ኣለኹ ሕዚ ዳግም ዝምለሰሉ ምኽንያት የብለይን ኣይትቕረቡኒ ብጃኹም ዕርፍቲ ሃቡኒ” ብምባል ከም ዝነፀጎም ኣብ’ቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ምንጭታትና  ኣረዲኦም፣፣