ኣብ ወረዳ ወልቃይት ንዝስራሕ ዘሎ ፋብሪካ ሽኮር
መህነፂ ተባሂሉ ብኮድ 3 ኢትዮ. ትግራይ ቁፅሪ ሴሌዳ 15326 ብዝኾነት ናይ ፅዕነት መኪና ተፃዒኑ ዝጓዓዝ ዝነበረ ስሚንቶ
ኣብ መዓልኡ እንተይወዓለ ኣብ ከተማ ሸረ ተራጊፉ ንወለቀ
ነጋዶ ከም ዝተሸጠ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣
እቲ ሓበሬታ መራሒ ናይ’ታ መኪና ሓጎስ ኣሕፈሮም ዝተብሃለ እንትኾን ንሱ ምስ ኣይተ ጌታቸዉ ተላ ዝተብሃለ ወናኒ ትካል ሓፂን መፂን ምስ ዝኾነ ወልቀ ነጋዳይ ብምምሽጣር ከም ዝሸጠሎምን ኣብ
መኻዚኖኦም ክራገፍ ከም ዝገበርዎን ነቲ ዘይሓላፍነታዊ እከይ ተግባር ዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ሽረ ድማ ከም ዝኾነንዎ ተፈሊጡ
ኣሎ፣፣
ብተመሳሳሊ እዚ ከምዚ ዓይነት መህነፂ ፕሮጀክት እናተበሃለ ብሃፍቲ
ህዝብን ሃገርን ዝዕደግ ንብረት ላዕለዎት ስራሕ ኣካየድቲ ምስ መራሕቲ መካይን እናተሻረኹ ክሽየጥ ብምግባር ዘይግብኦም ሃፍቲ
ምኽዕባት ኣብ መላእ ሃገርና ኣብ ዝስራሕ ዘሎ ፕሮጀክትታት ናይቲ ብሰበስልጣን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓትን መሻርኽቶምን ልሙድ
ምጥፍፋእን ግዕዝይናን ሃገርን ህዝብን ዘብርስ ዘሎ ሕማም ምዃኑ ዝተፈላለዩ
ኣባላት ማሕበረሰባት እናገለፅዎ ምፅንሖም ይፍለጥ፣፣