እዞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ
ዞባታት ዝርከቡ ሓረስቶት በቲ ገዛኢ መንግስቲ ቀሪቡ ዘሎ ናይ
ሙሩፅ ዘርኢ ዋጋ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብተዓፃፃፈ ሰለ ዝወሰኸ ገዚኦም ክጥቀሙ ከም ዘይከኣሉን ምረቶም
የስምዑ ምህላዎምን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ካብ’ቶም ወሰኽ ዋጋ
ዝተገበረሎም ን50 ኪሎ ጣፍ 1450 ብር ከምኡ’ዉን ንሓምሳ ኪሎ
ስርናይ 900 ብር ሒሳብ ንሓረስቶት ክሽየጥ ከም ዝቐረበን 20 ሚኢታዊ ወለድ ከም ዘለዎ ከም ኡዉን ኣብ ዝሑል ከባቢታት
ክዝራእ ዝኽእል ዓይነት ድንሽ ንኽቐርበሎም ዘቕረብዎ ጠለብ ክረኽቡ
ሰለ ዘይከኣሉ ሓረስቶት መረረቶም የስምዑ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣፣
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲ ዞባ ኣዊ ወረዳታት
ዳንግላ፤ ፤ኣዲስ ቅዳም፤ ኮሰበር፤ ግምጃ ቤትን ቲሊሊን ዝርከቡ
ዜጋታትና ቅድሚ 7ተ ዓመት እቲ ስርዓት
ፖለቲካዊ መኽሰቡ ክብል ብነፃ ዝተዓደሎም ናይ ኤክስተንሽን እታወት ኣብዚ ወርሒ’ዚ ብግዴታ ንክኸፍልዎም ናይ ፀጥታ ግብረ ሓይሊ
ተወዲቡ ናብተን ወረዳታት ከም ዝኣተወ ምንጭታትና ገሊፆም፣፣
ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ኣብ ህዝቢ ዘለዎም ተቀባልነት
ባይታ ምዝባጡ ስለ ዝተረድኡ ኣብ እዋን መረፃ ንኢህወዴግ ምረፁ
ወይ ከዓ ብነፃ ዝወሰድኩምዎ ዝኾነ ገንዘብ ይኹን መሳርሒ ንብረት ክፈልዎ ምባል ልሙድ እከይ ተግባሮም
እዩ ዝበሉ እቶም ሓረስቶት፣ እዚ ተግባር እዚ ድማ ኣብ ሙሉእ
ሃገርና ዝጥቀመሉ ዘለዉ ሕሱር ሜላኦም
ምዃኑ ወሲኾም ኣረዲኦም፣፣