ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና በላይ ገብረ
ዝተብሃለ ትውልዲ ዓዱ ከባቢ ቀርሰበር ዝኾነ ኣባል ፖሊስ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ዝሰርሓሉ ከተማ ዓዲ-ግራት ቀታሊኡ
ብዘይፍለጥ ብዕለት 14 ሰነ 2006 ዓ/ም ብጥይት ተቐቲሉ ከም እተረኸበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ እቶም ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ብተደጋጋሚ ህዝቢ ዘበሳብሱን ብጉቦን ኣድልዎን ዝተመራስሑን ብምዃኖም መላእ ሕብረተሰብ እታ ከተማ
መረረቱ ከስምዕ ምፅንሑ ድሕሪ ምግላፅ ከም ዉፅኢቱ ድማ እዚ ፖሊስ ኣብ ማእኸል እታ ከተማ ተቐቲሉ ረሲኡ ተደርብዩ ምርካቡ
መግለፂ ቁጠዐ ህዝቢ ምዃኑ ዝተረድኡ ፖላዊስ ዕጫኡ ከይበፅሖም ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ፣፣
ኣብ
ዝሓለፈ 5 ግንቦት 2006 ዓ.ም መናእሰይ ከተማ ሑመራ ኣብ
ልዕሊ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ፖሊስ እታ ከተማ ተወዲቦም ንሓደ ሽሙ ንዘይተፈለጠ ኣባል ፖሊስ ደብዲቦም ብዘዉረድሉ ከቢድ ጉድኣት ኣብ
ሆስፒታል ኣትዩ ይሕከም ከም ዘሎ ኣብ ዜናና ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ፣፣