Monday, June 23, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናይ 20 ሰዓት ሕርሻ መሬት ዝዉንኑ ሓረስቶት ዋጋ መዳበርያ ምስ ወለዱ 50 ሽሕ ብር ክኸፍሉ ከም ዘለዎም ብ7 ሰነ 2006 ዓ.ም ልእዃት እቲ ስርዓት ከገድድዎም ከም ዝወዓሉ ምንጭታትና ካብቲ ዞባ ሓቢሮም፣፣



ነቲ በቲ ስርዓት ዝወረዳ ናይ ኣስገዳድ መደብ ክኸፍሉ ፍቓደኛ ዘይኮኑ ሓረስቶት እንተሃልዮም ግና ዝሓዝዎ መሬት ተመንጢሎም ብመንግስቲ ዝተብሃሎም ክፍሊት ክፍፅሙ ንዝኽእሉ ሰባት ክንዕድሎ ምዃና ፍለጡ እናበሉ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ብ7 ሰነ 2006 ዓ.ም ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም ከፋራርሕዎም ከም ዝወዓሉ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ፣፣

ብወገን ተኣካቢ ህዝቢ ዝተወሃበ መልሲ ግን ንስኹም ሰበ ስልጣን መንግስቲ  ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስቲ ዝብሎ ግን ከኣ ባዕልኹም ከምዘይሰርሕ ኣብ ዝገበርኩሞ ሕገ-መንግስቲ “መሬት ዘይሽየጥ ዘይልወጥ ናይ ሓባር ንብረት ብሄር ብሄረሳባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ እዩ” ይብል እንተኾነ ግና መሬት ናይ ሰበስልጣን ኮይኑ ከምድሌትኩም ትገብርዎ ኣለኹም ኣብዛሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰኣን መሬት ናብ ስደት ዘምረሐሉ ዘሎ ምዃኑ ክተፈልጡ ይግበአኩም ክብሉ ብምረት ኣረዲኦም፣፣

ብተወሳኺ ነቲ ብሰበስልጣን እቲ ዞባ ዝቐረበ ሓሳብ ብምንፃግ መሬትኩም ተረከቡና ብምባል ተቖጢዖም ካብ ዝወፁ ሓረስቶት ገሊኦም ኣይተ ተስፋይ ገብሩ ነባሪ ማይ ካድራ፤ወ/ሮ ማሚት ካሕሰ፤ ሓጂ መሓመድ ትኩእ ዝተበሃሉን ካልኦትን ከምዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣