ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ስርዓት ወያነ
ኢህወደግ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝተፋላለዩ ሽርሕታት እናፈጠረ ዜጋታትና ነንባዕሎም ክቃተሉ ምግባር መለለይኡ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ
ሓበሬታ ፍትሓዊ ምሕደራ መሬት ብዘይ ምህላዉ ኣብ ወረዳ ወልቃይት ጣብያ ኣዉራ ዘይንፁር ኣተዓዳድላ መሬት ዝመንቀሊኡ ኣብ መንጎ
ክልተ ሰባት ብዝተፈጥረ ግጭት ኣደራጀዉ መልኬ ዝተብሃለ ንኣይተ
መተኪያ ከም ዝቐተሎ ተፈሊጡ፣፣
ድሕሪ እቲ ፍፃመ ኣይተ ኣደራጀዉ መልኬ ድንገት ብዝፈፀሞ ቅትለት
ገበን ተደናጊፁ ስድርኡ ገድፉ ካብቲ ከባቢ ዝተሰወረ እንትኾን ነቲ ባእሲ መበገሲ ምኽንያት ዝኾኑ ዘይቅኑዓት ዓደልቲ መሬት
ንምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ ትኹረት ሂቡ ዘፃሪ መንግስታዊ ኣካል ብዘይምህላዉ ኣብ መንጎ ስድራ መዋትን ቀታልን ዓብዪ ናይ ደም
ምፍሳስ ሓደጋ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣
ብተመሳሳሊ እዚ ብስንኪ ዘይፍትሓውን ግበረለይ
ክገብረልካን ናይ መሬት ኣተዓዳድላ ዜጋታት ምቕታል ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ብመጋበሪያታቱ ኣቢሉ ኣብ
መንጎ ህዝቢ ስኒት ከይፍጠር ብምግባር ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ካባኡ ብዝርከብ ገንዘብ ካድረታቱ መነባብርኦም ክልውጡ ዝገብሮ
ዘሎ ውዲት እዩ ክብሉ ብዙሓት ወገናት ሪኢትዖም ይህብሉ ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣