ፖላዊስ
ታሕታይ ኣድያቦ ኣፅዋር እናነገዱ ዝቆፃፀሮም ኣካል ብዘይ ምህላዉ ብ9 ሰነ 2006 ዓ/ም ስዓት 11 ወጋሕታ ብናይ ገጠር ፖሊስ ጣብያ መኪና ቁፅሪ ሴሌዳ 0025
ብረትን ጥይትን ፅዒኖም ኣብ ከባቢ ባድመ ዝርከብ ምሕፃብ ዓላቡ ዝተብሃለ ናይ ኣይተ ነጋሲ ሕርሻ ነቲ ክሸጥዎ ዝፀዓንዎ ኣፅዋር
ጉርዲ መሸላ ሸፊኖም ናብ ከባቢ ተከዘ ሒዘሞ ከም ዝኸዱ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም፣፣
እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር እታ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣፅዋር ኣብ ምምልላስ ተዋፊራ ዘላ ናይ መንግስቲ
መኪና መራሒኣ ዘነበ ዝተበሃለ ኮይኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖሊስ፤
ምልሻን ኣዘዝቲ ሰራዊትን እናተሓባበሩ ከምዚ ዓይነት ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ክፍፅሙ ምርኣይ ሓድሽ ነገር እኳ እንተዘይ ኮይነ
ፀጥታ ሃገር ንሕሉ ኣለና እናበሉ ከምዚ ዓይነት ሃፍቲ ህዝቢ መዕነዊ ገበን እናተፈፀመ ንመን ከም ዝሕብርዎ ሓርቢትዎም ከም ዘሎ
ወሲኾም ኣረዲኦም፣፣
ነዚ ገበን ዝፍፅሙ ዘለዉ ባዕሎም እቶም ሰበ ስልጣን ፀጥታ ስለ ዝኾኑ
ንሶም ድማ ባዕሎም ብዘዋደድዎ መርበብ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተኣሳሲሮም ይፍፅምዎ ስለ ዘለዉ ነዚ ንምቅላዕ ብእምነት ሓበሬታ
ንህቦ ኣካል መንግስቲ የብልናን ብምባል እቶም ነበርቲ ዘለዎም ስግኣት ይዛረቡ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣፣