Monday, June 23, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ መደባይ ዛና ከተማ ሰለኽለኻ ዝርከቡ ፖሊስ ትራፊክ ንመራሕቲ መካይን ፍቓድ መምርሒ መካይን እናሕደጉ ብላዕ የኽፍልዎም ከም ዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም፣፣



ኣብ  ወረዳ መደባይ ዛና ከተማ ሰለኽለኻ ዝርከቡ ፖሊስ ትራፊክ ኣብቲ መስመር ንዝመላለሱ መራሕቲ መካይን ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም ካብ ሕጊ ወፃኢ ፍቓድ መምርሒ እናሕደጉ ጉቦ ክኸፍሉ የገድድዎም ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ኣይንኸፍልን ንዝበሉ ድማ ዝፈፀምዎ ጥፍኣት ዘይብሎም መምርሒ ፍቓድ መንጢሎም ብምኽሳስ ይቐፅዕዎም ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣

     ካብዞም ከምዚ ዓይነት ስሱዐ ባህሪ ዝመንቀሊኡ ተግባር ዝፍፅሙ ዘለዉ  ኣባላት ፖሊስ ትራፊክ ሰለኽለኻ ሓደ ዋና ሳጅን ሃደራ ኣብርሃ  ዝተባህለ ኮይኑ ንሱ ብ4 ሰነ 2006 ዓ.ም ዕቁብ ኣላትኒ ኣብ እከለ ከይድካ 500 ቅርሺ ከፈለለይ ኣይከፍልን እንተልካ ከሲሰ ከቕፅዓካ’የ እናበለ የፈራርሖም ከም ዘሎ ነቶም መራሕቲ መኻይን መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣

     እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ትራፊክ ፖሊስ ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ ብምዃኖም ብቐፃሊ ብላዕ ንምኽፋል ዝተፀገሙ መራሕቲ መኻይን ሰሪሕና ዝረኸብናዮ ኣታዊ ኩሉ ግዜ ንትራፊክ ፖሊስ ምኽፋል ኣብ ፀገም ኣዉዲቑና ኣብ ዘለሉ ነዚ ዝከታተል ኣካል መንግስቲ የለን እናበሉ ኣብ ምምራር ከም ዝርከቡ ወሲኹ ገሊፁ፣፣