Wednesday, June 18, 2014

ክብሪ ሰማእታትና ብናይ በዓላት ዳንኬራ አይድበስን!



ሰማእታት ሃገርና ብመጠን ዝኸፈልዎ መስዋእትን ዝፈፀምዎ መስተንክራዊ ጀግንነትን አብ ታሪኽ ዘንቲ ዕለት እናተዘከሩን ክብሮም እናዓዘዘን ክነብር ዝግባእ እኳ እንተኾነ ናይ ታሪኽ አጋጣሚ ኮይኑ ግን ንክብሪ ሰማታትና ፍፁም ዘይግደሱን ጥልመት ዝመለለይኦምን መራሕቲ ወያነ ኢህወደግ ንኸምስሉን ንገዛእ ህዝቦም ንምድንጋርን በዓላት እናቖፀሩን እናሰየሙን ንህዝቢ አገዲዲዶም ክጭፍርን ክጉይልን ብምግባር ንኽብሪ ሰማእታትና ብዘይገልፅ መንገዲ’ዮም ዘብዕልዎ፣፣
    ሰማእታት ሃገርና አንፃር ባዕዳውያን ጥራይ ዘይኮነስ አንፃር አብ ሃገሮም ዝተፈጠሩ ፀረ ህዝቢ ስርዓታት አብ ዝተገብረ ናይ ሓዝ ክሕዝ ጥምጥም’ውን ታሪኽ ሰኒዶም ሓሊፎም እዮም አብ እዋን ሃይለስላሴ ይኹን ስርዓት ደርጊ ንምድምሳስ አብ ዝተገብረ ዓውደ ውግአት ማእለያ ዘይብሎም ሃርበኛታት ተጋሩ ሂወቶም ከፊሎምን ብአሸሓት ዝቁፀሩ መናእሰይ አካሎም ጎዲሉን’ዩ፣፣
    ስርዓት ደርግ እብ ምድምሳስ፣ብሓፈሻ አብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ብመሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ማእለያ ዘይነበሮ መስተንክራዊ ጀግንነት ከም ዝተፈፀሞን፣አብ’ቲ ዝተኻየደ መሪርን ዝተናውሐን ዓውደ ኲናት ድማ፣ንሕድ ሕድ ስድራ ተንኪፉ መውዳእትኡ ነቲ ዝነበረ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ብምብርካኽ ዓወት ተበሲሩ ምሕላፉን አብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ክብሪ ዝወሃቦ ምዕራፍ ምዃኑን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ነጋሪ ዘድልዮ አይኮነን፣፣
እንተኾነ ግን ነቲ ብሃርበኛታትና ደምን ክቡር ሂወትን ዝመፀ ናይ ስርዓት ለውጢ። ረብሓ ህዝብናን ስድራ ስውአትን ፈፂሙ ከረጋግፅ አይከአለን፣ ብደረጃ ትግራይ ጥራይ ዝዝከር ናይ ሰማእታት በዓል ዕለት 15 ሰነ ህዝቢ ንምድንጋርን ንሰማእታት ዝዝክር ስርዓት ከምዘሎ ንምምሳል ተባሂሉ በብዓመቱ ይበዓል እምበር። አብ ተግባርስ ናይ ሰማእታት ሕድሪ እንትኽበርን ናይ ዝሓለፉ ጀጋኑ ቤተሰብን ህዝብን ረብሓ እንትረጋገፅ አይተርአየን፣፣
ዕለት 15 ሰነ 1980 ዓ/ም አብ ከተማ ሓውዜን አብ ሐደ ፀሓይ ቀትሪ ልዕሊ 2500 ንፁሃን ዜጋታትና ሂወቶም እንትስእኑን መላእ ህዝቢ ትግራይ ብሓዘን አብ ዝተዋሕጠሉ እዋን አብ እዋን ቃልሲ  ፈታኒ መድረኽ ከም ዘጋጥምን ነቲ ዝኽሰት ፀገም ብትብዓት ሰጊርካ ዓወት ከም ዝርከብን ካብ መፈለምታ ትቓልሲ ጀሚሩ ስለ ዝአመነሉን በብግዚኡ ካብ ፀላእቱ ዝፍነዎ ፋሽስታዊ መጥቃዕትታት ከከም አመፃፅእዕም እናመከተ ህዝባዊ ቃልሱ ከም ዝቕፅል ቅቡል ገይሩ ሕነ ብዱል ህዝቡ ንምፋዳይን ዕድመ ደመኛታቱ ንምሕፃርን ድሕሪ ሒደት እዋናት ብዓይነቱን ግዝፊ ሰራዊቱን ፍሉይ ዝኾነን ናይቲ ስርዓት መትኒ አብ ልዕሊ ዝነበረን መበል 604 ኮር በርቃዊ መጥቃዕትታቱ ብምፍናው ሙሉእ ብሙሉእ ደምሲሱ ዓወት ምስ ተጎናፀፈ ንሙሉእ ሃገር ንምቁፅፃር ይግበር አብ ዝነበረ ግስጋሰ ገዚፍ ባይታ አንፂፉ ሓሊፉ’ዩ፣፣
እሞኸ ነዚ ብሓፃዊን ዝተደረዐ አጋር ሰራዊት፤ ማእለያ ብዘይብሎም መዳፍዕ፤ ታንክታትን ነፈርትን ተሓጊዙ ዝዋጋእ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ናብ ሓመደ ድበ ቀይሮም ዓወት ንዘበሰሩ ህልዋትን ስዋእትን ደቂ ህዝቢ ደአ ስለምንታይ’ዩ አብ ኮረቻ ስልጣን ምስተበፅሐ ብዛዕባ ሕሉፍ ጅግንነትን ዝተሓልፈ መስገደላትን ዘኪርካ ፃምኦም ኣብ ክንዲ ምኽፋል ናብ ናይ ውልቀ ናብራ ምጥሓልን ሃንደፍደፍን ተአትዩ?
ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ንሰነ 15 ነታ ብአሽሓት ንፁሃን ወገናት ዝኸፈለላ ዕለት በዓል ሰማእታት ፅቡቕ ስነምግባርን ማሕበራዊ ተቐባልነት ንዘለዎ መታዕብይቲ ጎረቤት’ውን እንተኾነ ንኽብሮም ሽምዓ ወሊዑ ብልቡ እናሓሰቦምን ንዕለት መስዋእቶም እናዘከረን ዝውዕል ሓላል ህዝቢ’ዩ፣፣
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ ሰብ ዘበን ሹመኛታት መራሕቲ ህወሓት ናይ ሰማእታት ደምን ስጋን እናመዓጉን እናመንጨቱን በቲ ንስልጣን ዘብቀዖም ስውእ ሃርበኛ ህዝብን ተጋዳላይን ሽም እናሸቀጡ ሕዝ’ውን ከም ልሙድ ነቲ ኩሉ ሳብ ዘካይድዎ መደናገሪ ብልሓት ከም ዝጥቀሙ ተረዲእኻ ውጥኖም ንምፍሻል ክብሪ ሰማእታትና ብናይ በዓላት ዳንኬራ ከም ዘይድበስ ተረዲእኻን! ኣዕፅምትን ደምን አያታትካ ከይራኸስን ክቡር መስዋእቶም ንዘለአለም ህያው ኮይኑ ንክቕፅልን ናትካ ገዛ ዕዮ ዝለዓለ እዩሞ ኣንፃር ከደዓት ዕጥቕኻ ምልዓል መማረፂ ስለዘይብሉ ሕዚ.ውን ከም ቀደምካ ነቲ ጀሚርካዮ ዘለኻ ቃልሲ  ልዑል እጃምካ  ክተበርክት ይግባእ።