Saturday, June 21, 2014

መስዋእቲ ጀጋኑ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ክነብር’ዩ!!



ህዝቢ ትግራይ ቀያሕትን ፀለምትን  ደቁ ናብ ቃልሲ መሪቑ ብምስዳድ ኣንፃር ስርዓት ደርግ ን17 ዓመታት ኣብ ዘካየዶ መሪር ብረታዊ ተጋድሎ፣ ልዕሊ 65 ሽሕ ስውኣትን ብዓሰርተታት ኣሻሓት ጉዳት ኲናትን ብምኽፋል ምስ ካልኦት ውፃዓት ኣሕዋቱ ብምትሕግጋዝ ንዓወት 20 ግንቦት 1983 ዓ/ም ክበቅዕ ዝኸኣለ ተቃላሳይ ህዝቢ እዩ፣፣
እቲ ዘካይዶ ቃልሲ ምእንቲ ሰላምን ማዕርነትን ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ስለዝነበረ ህዝቢ ትግራይ’ውን ካብቲ ጨቋኒ ስርዓት ደርግ ተላቒቑ ምስ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ተፋቒሩ ዝነብረላ፤ ብሕግን ስርዓትን ዝዳነየላ፤ ማዕርነትን ፍትሕን ዝነግሰላ፤ ብሄረሰባታ ብቋንቁኦም፤ ባህሎምን ልምዶምን ዝኾርዑላ ሓንቲ ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ንምህናፅ፣ ነቲ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ሕልኽላኻት ቅቡል ገይሩ ሓድነቱ ብምፅናዕ ካብቲ ብረት ሒዙ ዝዋጋእ ዝነበረ ተጋዳላይ ብዘይንእስ መስተንክራዊ ቅያ ሰሪሑ ነቲ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ  ምስ ተጋደልቲ ደቁ ኮይኑ አዐዊትዎ እዩ፣፣
እቶም ትማሊ “ተስፋ ውላዶም ብርሃን እዩ ፃማኦም” እናተበሃለ ዝድረፈሎም ዝነበሩ ወለዲ መስዋእቲ ደቆም ምእንቲ ሃገር እዩ ኢሎም ቅቡል ዝገበሩ ሎሚ ነባዪ ሲኖም ኣካሎም ደኺሙ ዓዲ ውዕል ኣብ ዝኾንሉ ጥልመት ህወሓት-ማሌሊት ኣብ ልዕሊ ስውኣት ተሰቊሩዎም ወደይ ትዝነብር ጓለይ ተትነብር እናበሉ መሬት እናቖስቖሱ ብንብዓት እታ ዝተረፈት ዕድሚኦም ከሕልፉ ምርኣይ ሕልና ንዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ዘሐዝን እዩ፣፣
መራሕቲ ህወሓት-ማሌሊት 15 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ኮይና ክትዝከር ብምውሳን ንይምሰል ብስም ስውኣት እንተመደሩን እንተጨርሑን ንመደናገሪ ባህሪያቶምን ግዑዙይ ስርዓቶምን ካብ ምቅላዕ ሓሊፎም ትርጉም ዘይዋሃቦ ምዃኑ ካብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰወረ ኣይኮነን፣፣
ምኽንያቱ እቲ ብዝፈፀሞ መስተንክራዊ ቅያን ብዝኸፈሎ መስዋእትን ዘኹርዕ ታሪኽ ገዲፉ በጃ ህዝቡ ዝሓለፈ ስውእ ዝለዓለ ክብሪ ክወሃቦ ዝግባእ ዝነበረን ከምኡ’ዉን ወለዱን ደቁን ብመራሕቲ ህወሓት-ማሌሊትን ተጠሊሞም መስዋእቶም ከንቱ ኮይኑ፣ እቲ ዉልቃዊ ረብሓን ስልጣንን ዝመበገሲኡ ብጉጅለታት ተኸፋፊሉ ዘሎ  ጠላም ህወሓት፣ ናይ ዓሰርተታት ኣሻሓት ስዉኣት፤ ስንኩላትን ስድርኦምን ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ ከምዘሎ ክረኣዮ ኣይካኣለን፣፣
 ስድራ ስውኣት ተዝሕገዙ፤ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተሰውእሉን ካብ ዝደቐቐት ክሳብ ዝዓበየት ንብረቱ ዝባደሞ ህዝቢ ትግራይ  ተረባሒ ኮይኑ፤ ኣብዝሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ክላቐቕ ኔይርዎ፣ ህዝብና ስእነት ሰናይ ምሕደራ ዝፈጠሮ ምጉዳል ፍትሒ፤ ክብሪ መነባብሮ፤ ስእነት ስራሕ፤ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተስፋሕፊሑ፤ ዜጋታት ብሓይልታት ፀጥታ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ዝእሰርሉን ዝቕተሉሉን ወቕቲ ኮይና መዓልቲ ሰማእታት እናተባህለት ትዝከር ኣላ፣ሰማእታትና ሕድርኹም ብጉጅለታት ዝተመቓቐለት ህወሓት-ማሌሊት ተጠሊሙ፤ ዝተቓለስኩምሉ ዕላማን መትከልን ራኢ መለስ እናተበሃለ፤ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈልኩምን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ዝወደቅኩምሉን ውልቀ መለኽቲ ኣብ ረብሐኦም እዮም ኣውዒለምዎ ተባህሉ ክንገሮም ይግባእ፣፣
መራሕቲ ህወሓት-ማሌሊት ብዘይትግበር መብፀዓታት ዓመት መፀ ተጋጊና ኢና፤ ክንእረም ኢና እናበሉ፤ን23 ዓመታት መመላእታ ብስም ህዝቢ ትግራይ እናደናገሩ፤ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ፤ ነቲ ፍትሓውን ተኣማንን ክኸውን እዩ ኢሉ ህዝቢ ዘይፅበዮ፤ ኣብ 2007 ዓ/ም ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ምስሉይ መረፃ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ፤ ብስም ስውኣት እናሸቀጡ፤ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ናይ ፀለመ መደረታት እናስምዑ፤ኣብ ውሽጦም ቅሳነት ከይፈጠሩ፤ ብደገ ደገ ንምዕራባውያን ንምሕጓስን ዴሞክራሲያዉያን ንክመስሉ ላዕልን ታሕትን እናበሉ፤ ህዝቢ እናደናገሩ ዕድመ ስልጣኖም ከናዉሑ ከም ዘይኽእሉ ክስቆሮም ይግባእ፣፣
ንምጥቕላል ዴሞክራሲ ኣብ ዝተዓፈነሉ፤ ምጥፍፋእን ክሕደትን ኣብ ዝነገሰሉ፤ ነጋዶ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ክኸፍሉ ኣብ ዝግደድሉ፤ ሓረስቶት ሃገርና ብስም ኣውፈርቲ ሃፍቲ ካብ መረበቶምን ልሙዕ መሬቶምን ዝፍናቐልሉ፤ ኣብ ውሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ዝተረጋግአ መንፈስ ኣብ ዘይብሉ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዩ ዝፍፀሙ ምጥሓስ መሰልን ካልኦት ግፍዒታትን ብዝኸፈአ መልክዑ ኣብ ዝቕፅለሉ ዘሎ እዋን 15 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት  ንዝክር ኣለና  እናበሉ ጉጅለታት ህወሓት-ማሌሊት እንተመደሩ፣ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ኣዋሪድካ ብሽም ስዉኣት እናነገድካን ናይ ውልቅኻ መነባብሮ ኣመሓይሽ ዝብል ቃል ስውኣትና ዘይምዃኑ ሕዚ’ውን ክፈልጥዎ ይግባእ፣፣
ብስም ሰማእታት መዝሙር ክሕደት እናዘመርካ ሃበስ-ቀደስ ምባል ምድንጋር ጠላማት ጉጅላዉያን መራሕቲ ዘጠናኽር’ምበር፣ ሰማእታት ደቂ ህዝቢ ተዘኪሮም ማለት ኣይኮነን፣ በዚ መሰረት ድማ ዉድብና ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ስማእታቱ ዝወደቕሉ ዕላማ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ዳግም መስዋእቲ እናኸፈለ ዝርከብን መስዋእቲ ጀጋኑና ድማ ህያው’ዩ፣፣
        ዘላኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!!
               ዓወት ንውፃዓት!!