እዞም
ልዕሊ 150 ዝኣኽሉ ካብ ሰደት ዝተመለሱ ነበርቲ ወረዳ ላዕላይ
ማይ ጨው ብካድረታት እቲ ስርዓት ተወዲቦም ብ10 ስነ 2006 ዓ/ም ካብ ማረት ወሲዶም መነባብሮኦም ክመርሑ መንግስቲ ቃል
ኣትዩ ብልቓሕ ዝሃቦም ገንዘብ መጠኑ ዝሓለፈ 15 ሚኢታዊ ወለድ ክኸፍሉ ስለ ዘገደዶም ግዳይ ክሳራ ብምዃኖም ኣብ ልዕሊ’ቲ
ስርዓት መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣
እቶም ተመለስቲ ስደተኛታት “መንግስቲ ዝኣተወልና ቃል ከተግብሮ
ኣይከኣለን ምኽንያቱ ካብ ንግዲ ባንኪ ዝተለቀሐ 5 ሚኢታዊ ወለድ እንትኸፍል ንሕና ካብ ማረት ዝተለቃሕና ግን ኣብ ርእሲ
ፀገምና 15 ሚኢታዊ ወለድ ክንከፍል ተገዲዲና ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ መንግስቲ ንዓና ከተሓሕዝ ዘይኮነስ ሓላይ መሲሉ ብምቕራብ
ይነግደልና ስለ ዘሎ ኣይንደልን ናብ ዝነበርናዮ ስደት ምምላስ
ይሐሸና” ብምባል ዳግማይ ናብ ስደት ይኸዱ ምህላዎም ተፈሊጡ፣፣