Saturday, June 28, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነበርቲ ክፍለ ከተማ የካ ፍሉይ ቦታ ኣዋርያ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ ኣብ ዝውፅሉ እዋን ብፌደራል ፖሊስን ኣግኣዚ ኮማንዶን ክብተኑ ከም ተገበረ ተፈሊጡ፣፣


እቶም ነበርቲ በቲ  ስርዓት ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕታትን ቆላሕታ ዝሰኣነ ማሕበራዊ ፀገማትን ፍታሕ ንምርካብ ብ14 ሰነ 2006ዓ/ም ናይ ተቓውሞ  ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ዝወፅሉ በዚ ተቓውሞ ዝሰግኡ ሰበ ስልጣን እታ ከተማ ፌደራል ፖሊስን ኣግኣዚ ኮማንዶን  ብምውፋር ነቶም ኣብቲ ሰልፊ ንምስታፍ ዝወፁ ነበርቲ ብበበትሪ እናቐጥቀጡን ኣስካሕካሒ ዝኾነ ግፍዕታት ብምፍፃምን ነቲ ሰልፊ ከም ዝበተንዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣፣